Fana: At a Speed of Life!

ዓብዪ ኮሚቴ ኣከባብራ ብዓል መበል 45 ዓመት 11 ለካቲት መደባት ለካቲት ብዝምልከት ይግምግም ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዓብዪ ኮሚቴ ኣከባብራ ብዓል መበል 45 ዓመት 11 ለካቲት፥ ክሳብ ሕዚ ዝተፈፀሙን ቀፃሊ ትኹረት ዘድልዮምን መደባት ኣመልኪቱ ብዕምቆት ይግምግም ምህላዉ ኣካቢ እቲ ዓብዪ ኮሚቴ ኣይተ ኣለም ገብረዋህድ ገሊፆም።

ዓብዪ ኮሚቴ 11 ለካቲት ክሳብ ሕዚ ከም ኮሚቴ ኮይኑ እናሳለጦ ዝፀንሐ ስራሕቲ ከምዘሎ ኮይኑ፥ እቲ በዓል ብመሰረት ዝተቐመጠ ፕሮግራም ካብ 4 ለካቲት 2012 ዓ/ም ጀሚሩ ናብ ሰፊሕ ምንቅስቓስ ከምዝእቶ ኣብሪሆም።

ሓደ ወርሒ ንዝተረፎ ፕሮግራም ዝተፈፀሙ መደባት ለካቲት ብዝዓሞቐ ኣገባብን ዓብዪ ቦታ ብምሃብን ኣብቲ ሎሚ ዕለት ዝሳለጥ ዘሎ ኣኼባ ዓብዪ ኮሚቴ ከምዝግምገሙ እውን ገሊፆም።

እቲ ሎሚ ዝሳለጥ ዘሎ ኣኼባ ተሪፎምና ዘለዉ መደባት ለካቲት ኣብ ዝሓፀረ ጊዜ ከመይ ገይርና ከምእንዛዝሞም መፍትሕታት ዘቕምጥ እዩ ዝበሉ ኣይተ ኣለም፥ ብመሰረት እዚ ነብሲ ወከፍ ኮሚቴ ዝሓዘቶ ስራሕ ብዝርዝር እናቕረበት ክግምገም ምዃኑ ኣረዲኦም።

ብኮሚቴታት ምውዳእ ዘፀግሙ መደባት እንተሃልዮም ተፈልዮም ክቐርቡን እቲ ዓብዪ ኮሚቴ መፍትሕታት ከምዝግበርን እውን ኣመልኪቶም።

ብተወሳኺ ኣብቲ ዝሳለጥ ዘሎ ኣኼባ ዓብዪ ኮሚቴ፥ ኣከባብራ መበል 45 ዓመት ልደት ህወሓት ብህፁፅ ክጠቓለሉ ዝግብኦም መደባት ለካቲት እንተሃልዮም መፍትሕታት እናቐመጥካ ንምኻድ ምዃኑ ኣብሪሆም።

ፍልፍል፦ጋዜጣ ወይን

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.