Fana: At a Speed of Life!

ዓወት ዓድዋ እንትነኽብር ዝተሸርሸረ ሓድነትን ኢትዮጵያዊ ክብርን ንምምላስ ቃል ብምእታው ክኸውን ይግባእ-ዶክተር ሙሉ ነጋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ዓወት ዓድዋ እንትነኽብር ዝተሸርሸረ ሓድነትን ኢትዮጵያዊ ክብርን ንምምላስ ቃል ብምእታው ክኸውን ይግባእ ክብሉ ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ሙሉ ነጋ ገሊፆም።

መበል 125 ዓመት በዓል ዓወት ዓድዋ ኣብ ከተማ መቐለ ፓናል ዘተ ተኸቢሩ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ዶክተር ሙሉ ነጋ ሓዊሱ፣ ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ብህልን ቱሪዝምን ወይዘሮ ቡዜና ከድር፣ ኣመራርሓ ሰራዊት ምእልኻል ሃገርን ነበርቲ ከተማ መቐለን ተሳቲፎም።

ኣብቲ ዘተ ዓድዋ ንናይ ሎሚ ትውልዲ ካብ ጀጋኑ ኣቦታትን ኣደታትን ዝተረኸበ ዓቕሚን ሰዓራይነትን ስንቂ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ዓወት ዓድዋ ኢትዮጵያዊ ሓድነትን ሕብረትን ዝተርኣየሉ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ዓወት ዓድዋ እንትነኽብር ዝተሸርሸረ ሓድነትን ኢትዮጵያዊ ክብርን ንምምላስ ቃል ብምእታው ክኸውን ይግባእ ክብሉ አውን ዶክተር ሙሉ ነጋ ሓቢሮም።

እቲ ዓወት ተምሳሌት ነፃነት፣ ሓድነትን ኣይግዛዕን በሃላይነትን ኢትዮጵያውያን ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ
ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.