Fana: At a Speed of Life!

ዕድጊት ዝተረጋገአን ወሰኽ ዋጋን ከይግበር ፍሉይ ግብረ ሓይሊ ተጣይሹ ቁፅፅር ይግበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዕድጊት ንግዲ ዝተረጋገአን ወሰኽ ዋጋ ከይግበርን በዘኽእል መልክዑ ፍሉይ ግብረ ሓይሊ ተጣይሹ ክትትልን ቁፅፅርን እናተገበረ ምዃኑ ቢሮ ንግዲ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣይተ ዓብዱል ፈታሕ የሱፍ በዓል ፋሲካን ዒድ ኣልፈጥርን ኣመልኪቶም ከምዝገለፁዎ፥ ፀገም ዝርገሐ ቀረብ ፍርያት ከይህሉ ነቲ በዓል ዘድልዩ መሰረታዊ ጠለባት ብማሕበራት ሕብረት ስራሕ ሸትቲ ኣቢሉ ይዝርጋሕ ኣሎ፡፡

እቲ ቢሮ ኣብ ዝተፈላለያ ክፍለ ከተማታት ዝተሃነፁ ማእኸል ዕዳጋ እንስሳት ዕድጊት ኣባጊዕ፣ ኣጣልን ኣብዑርን ንኽሳለጥ እናተገበረ ከምዝርከብ እውን ኣብሪሆም፡፡

እተን ማእኸል ዕዳጋታት ብፀረ ታህዋሲያን ንምፅራይን ሸየጥቲ ይኹኑ ዓደግቲ ናብቲ ማእኸላት እንትኣትዉ ንባዕሎም ካብ ኮቪድ-19 ንምክልኻል ዘኽእል ቅድመ ጥንቃቐ ንኽገብሩ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም፡፡

ሕብረተሰብ ዘጋጥሙ ጥሕሰታት ሕጊ ንግዲ እንተሊዮም ብናፃ መስመር ስልኪ 8588 ብምድዋል ሓበሬታ ምሃብ ከምዝኽእል ምግላፆም ካብ ቢሮ ንግዲ ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.