Fana: At a Speed of Life!

ዘለናሉ እዋን ሓላፍነት ዜጋታት ዝሓትት ብምዃኑ ኩኡ ዜጋ ትፅቢት ዝግበረሉ ግደ ክዋፃእ ይግባእ-ኣይተ ደመቀ መኮነን

 

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) መበል 20 ዙርስነ ስርዓት ምረቓ ምልምል ሰልጠንቲ ፌዴራል ፓሊስለሚ ኣብ ጦላይ ተኻይዱ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ኣየተ ደመቀ መኮነን ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፌደራል ተረኺቦም።

ኣይተ ደመቀ ኣብ ዝገበርወ መደረ፥ ዘለናሉ እዋን ሓላፍነት ዜጋታት ዝሓትት ብምዃኑ ኩኡ ዜጋ ትፅቢት ዝግበረሉ ግደ ክዋፃእ ይግባእ ኢሎሙ።

ኢትዮጵያ ኣብዚ ?ዚ እዋን ኣብ ታሪካዊ እዋን ከምእትርከብ እውን ተዛሪቦም።

ስለዝኸነ ተመረቕቲ ኣብዚ ታሪኻዊ እዋን ናየ ኣቦታትኩም ጀግንነትን ሓቦን ክትደግሙ ይግባእ ኢሎም።

ሃገር ዘጋጠማ ፈተና ንምምካት ጠንካራ ኢኮኖሚ፣ ጠንካራ መከላከያ ሰራዊትን  ፖሊስን የድልያ ክብሉ ገሊፆም።

ሎሚ ካብ ዝተመረቑ ሰልጠንቲ ሃገር ብዙሕ ትፀቢት ከምዘዋ ተዛሪቦም።

ኮሚሽነር ጀነራል ደመላሽ ገ/ሚካኤልም ብግደኦም÷ ነቶም ተመረቕቲ ዶኸጠሪን ሓደሽ ፖሊስ ዘካተተ ስልጠና ከምዝተውሃቦም ሓቢሮም።

ብተወሳኸዒ ሃገር ንምፍራስ ዝንቀሳቐስ ዘሎ ጉጅለ ጁንታ ንሓንሳብን መወዳእታን ንምውጋድ ከም ሃገር ምንቅስቓስ ኣብ ዝግበረሉ ዘሎ እዋን ምምራቖም ፍሉይ ከምዝገብሮ ኣብሪሀም።
ብዘቢብ ተክላይ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.