Fana: At a Speed of Life!

ዘይምርድዳኣት ሰበብ ብምግባር ፅንፈኛ ሓይሊታት ሰላምን ድሕንነትን እዛ ሃገር ንምህዋኽ ይሰርሑ ከምዘለዉ ፖሊስ ፌዴራል ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 23 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዘይምርድዳኣት ሰበብ ብምግባር ፅንፈኛ ሓይሊታት ሰላምን ድሕንነትን እዛ ሃገር ንምህዋኽ ይሰርሑ ከምዘለዉ ፖሊስ ፌዴራል ኣረጋጊፁ።

ሎሚ መዓልቲ ዝተወደቡ ሓይሊታት ቢሮ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኣዲስ ኣበባ መስተዋቱ ብምስባር መጠነኛ ጉድኣት ከምዘብፅሑ ካብ ፖሊስ ፌዴራል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እቶም ሓይሊታት ኣብ ቁፅፅር ብምውዓል ብሕጊ ተሓተትቲ ንክኾኑ ምርመራ ይግበረሎም ከምዘሎ ድማ ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ፅንፈኛ ሓይሊታት ምስ ናይ ወፃኢ ፀላእቲ ብምውዳድ ፀፅታ እዛ ሃገር ንምህዋኽ ዝተፈላለዩ ኣፅዋራት ኲናት ናብ ውሽጢ ዓዲ ንምእታው ፃዕሪ ይገብሩ ከምዘለዉ ተሓቢሩ።

ስለዝኾነ ማሕበረሰብ ሙስሊም ነዚ ብምግንዛብ ሰላምን ድሕንነትን ሃገርን ሃይማኖት እስልምናን ኣብ ምሕላው ግድኡ ክዋፃእ ፃውዒት ቀሪቡ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.