Fana: At a Speed of Life!

ዝተፈለለያ ክልላት በዓል ጥምቀት ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፈን

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝተፈለለዩ መንግስታት ክልል በዓል ጥምቀት ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፈን።

ክልላዊ መንግስቲ ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ÷ በዓል ጥምቀት ካብ ሃይማኖታዊ ትሕዝቱኡ ብተወሳኺ ማሕበራዊ ርክብ ኣብ ምጥንኻር ረብሑኡ ዕዙዝ ከምዝኾነ ገሊፁ።

ብተኸተልቲ እቲ እምነት ኣብ ኣደባባይ ካብ ዝኽበሩ በዓላት ብቐዳምነት ዝኽበር በዓል ጥምቀት÷ ዝተፈላለዩ በፃሕቲ ብምስሓብ ኢትዮጵያ ንዓለም ኣብ ምፍላጥ ልዑል ኣስተዋፅኦ እናበርከተ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሁ።

ክልላዊ መንግስቲ ሃረሪ እውን ንመላእ ተኸተልቲ እምነት ክርስትና በዓላት ከተራን መስቀልን መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፉ።

እቲ በዓል ካብ ሃይማኖታዊ በዓልነቱ ሓሊፉ ፅቡቕ ምስሊ ሃገር ኣብ ምህናፅን ፍሰት ቱሪዝም ኣብ ምድንፋዕን ርኡይ ታራ ከምዘለዎ ሓቢሩ፡፡

ሕብረተሰብ እቲ በዓል እንተኽብር ከም ቀደሙ ባህሊ ምርድዳእን ምትሕግጋዝነ ብምጥንኻር ክኸውን ከምዝግባእ ኣገንዚቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.