Fana: At a Speed of Life!

ዝተፈላለዩ ሚኒስትራት ኣብ ክልላት እናካየዱዎ ዝፀንሑ ዑደት ግብረ መልሲ ሂቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉጅለ ክትትልን ድጋፍን ፌዴራል ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት ብተኻታታሊ መዓልቲታት እናተኻዱ ዝፀንሑ ዑደታት ተዛዚሞም፡፡

ጉጅለ ክትትልን ድጋፍን ፌዴራል ኣብ ዝሓለፉ 10 መዓልቲታት ኣብ ሰለስተ ማእኸላት ክል፤ ኣምሓራ ዘካየዶ ዕላዊ ዑደት ኣመልኪቱ ኣብ ከተማ ባህርዳር ዘተ ኣካይዱ፡፡

መተሓባበሪት እቲ ልኡኽ ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ጫልቱ ሳኒ ኣብቲ እዋን ከምዝበለኦ፥ መንግስቲ ምዕባለ ንምርግጋፅ ናይ 10 ዓመት ስትራቴጅክ ሽቶ ብመሓዝ እናሰርሐ ይርከብ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ምስዚ ስትራቴጂክ ሸቶ ዝተሃቀ ውፅኢታዊ ስራሕቲ ልምዓት እናተወገኑ ከምዝኾኑ ምዕዛበን ገሊፀን።

ኣብቲ ክልል ዝተፈጠረ ፀገም ፀፅታ ፅዕንቶ ከምዘሕደረ ብምሕባር፥ ኣመራርሓ እቲ ክልል ሰላምን ኩለመዳይ ልምዓትን ንምርግጋፅ ብዝገበሮ ርብርብ ውፅኢት እናተረኸበ ምዃኑ ኣመልኪተን።

“ኣብ ቀፃሊ ዝተረኸበ ኣንፃራዊ ሰላም ናብ ዘላቕነት ብምስግጋር ዕዙዝ ኣፈፃፅማ ልምዓት ንምምዝጋብ እቲ ክልል በዝገብሮ ምንቅስቓስ እቲ ጉጅለ ድጋፍ ኣድላዪ ሓገዝን ክትትልን ክገብር ኢዩ” ኢለን።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣይተ ኣረጋ ከበደ ብግደኦም፥ ጉጅለ ክትትልን ድጋፍን ፌዴራል ኣብ ፃንሒቱ ዘካየዶ ሓገዛዊ ዑደት ናይ ምፍፃም አዓቕሚ ንምዕባይ ዓብዪ ሓገዝ ኣለዎ ክብሉ ገሊፆም።

እቲ ጉጅለ ዘቕርቦ ግብረ መልሲ ከም እታወት ብምጥቃም ኣብ ቀፃሊ ዘላቒ ሰላም ምዕሳልን ልምዓት ብምርግጋፅን ተረባሕነት ህዝቢ ንምድንፋዕ ከምዝጥቀሙሉ ኣብሪሆም።

ብተመሳሳሊ ብሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ተኸታተል መዓልቲታት ኣብ ክልል ሲዳማ ዘካየዶ ምልከታን ኣብ ዝተሰርሑ ሓፈሻዊ ስራሕቲን ግብረ መልሲ ሂቦም።

ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ፥ እቲ ልኡኽ ኣብቲ ክልል ዝነበሮ ፃንሒት ኣብ ገፅርን ከተማን ሓፈሻዊ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ተዘዋዊሩ ተመልኪቱ ኢሉ፡፡

ምልከትኡ ድማ ኣብ ፅቡቕ ኣፈፃፅማ ዝርከቡ ስራሕቲ ከምዘለዉን ብኣንፃሩ ክመሓየሹ ዝግበኦም ስራሕቲ ከምዘለዉን ንኣባላት ካቢኔ እቲ ክልል ምብረኦም ካብ ቤት ፅሕፈት ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ላዕለዋይ ጉጅለ ሱፐርቪዥን ፌዴራል ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ እናካየዶ ዝፀንሐ ድጋፋዊ ትዕዝብ ብምዝዛም ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ጥላሁን ከበደ ኣብ ዝተረኸቡሉ ግብረ-መልሲ ትዕዝብቲ ኣብ ከተማ ኣርባ ምንጭ ሂቡ፡፡

ተወሳኺ ሓበሬታ ጀማል ከዲሮን ተመስገን ቡልቡሎን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.