Fana: At a Speed of Life!

ዝፍነዉ ዝተዛብዑ ሓበሬታታትን ዘረባታት ፅልኣትን ብዝምልከት ዝቐረበ ኣዋጅ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፀዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ዝፍነዉ ዝተዛብዑ ሓበሬታታትን ዘረባታት ፅልኣትን ንምክኻልን ንምቁፅፃርን ዓሊሙ ዝቐረበ ኣዋጅ ኣፅዲቑ።

እቲ ባይቶ ሎሚ መዓልቲ 5 ለካቲት 2012 ዓ.ም ኣብ ዘሳለጦ 5ይ ዓመት ዘበን ስራሕ 1ይ ህፁፅ ኣኼቡኡ፥  ዝተዛብዑ ሓበሬታታትን ዘረባታት ፅልኣትን ንምክልኻለን ንምቁፅፃርን ዓሊሙ ዝተሰናደአ ረቂቕ ኣዋጅ ብዝምልከት ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሕጊ፣ ፍትሒን ዴሞክራሲን ዘቕረቦ ፀብፃብን ውሳነ ሓሳበን ርእዩ።

ምውዛዕ ዝተዛብዑ ሓበሬታታትን ዘረባታት ፅልኣትን፥ ጠንቂ ማሕበራዊ ሓድነት፣ ፖለቲካዊ ምርግጋዕ፣ ሃገራዊ ሓድነትን ብዙህነትን ምዃኑ ብምግንዛብ ብፍላይ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ መንጎ ህዝቢ ዝነበረ እወንታዊ ርክብ ብሰንኪ ዝተዛብዑ ሓበሬታታትን ዘረባታት ፅልኣትን እናተሸርሸረ ይኸይድ ስለ ዘሎን እቶም ፀገማት ሐዚ ብዘሎ ሕጊ ምፍታሕ ዘይከኣል ብምዃኑን እቲ ኣዋጅ ንምድላው ምኽኒያት ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ዘርኢ፣ ፆታን ጉድኣት ኣካልን መበገሲ ብምግባር ዝውዝዑ ዝርርባት ፅልኣትን ዝተዛብዑ/ናይ ሓሶት ሓበሬታታትን ምክልኻል ኣገዳሲ ከምዝኾነ እውን ተሓቢሩ።

ብመሰረት እዚ እቶም ኣባላት ባይቶ ዝተፈላለዩ ሓሳባትን ርእይቶታትን ዝሃቡ እንትኾኑ፥ ካብ’ቶም ዝቐረቡ ርእይቶታት “እቲ ኣዋጅ ዜጋታት ሓሳቦም ብነፃነት ናይ ምግላፅ መሰሎም ዝዳፋእ ኢዩ” ዝብል ርእይቶ ሓደ ኢዩ።

ይኹን እምበር ኣብ ሕገ መንግስቲ ፌዴሪኢ ንዘሎ መሰል ምዝራብ ዘይፃባእ ኢዩ ክብል እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ምላሽ ሂቡ።

ስለዝኾነ እቲ ኣዋጅ ብ23 ተቓውሞ 2 ድምፀ ተኣቅቦ ኣብዝሓ ድምፂ ፀዲቑ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.