Fana: At a Speed of Life!

ዩኒቨርሲቲ ሃረማያ ጥፍኣት ፈፂሞም ኢዮም ኣብ ልዕሊ ዝበሎም 77 ተምሃሮ ስጉምቲ ወሲዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዩኒቨርሲቲ ሃረማያ ጥፍኣት ፈፂሞም ኢዮም ኣብ ልዕሊ ዝበሎም 77 ተምሃሮ ስጉምቲ ከምዝወሰደ ኣፍሊጡ።

እቶም ተምሃሮ ሰለማዊ ስርዓት ምምሃር ምስትምሃር ንክህወኽ ኣብ ምግባር ልዑል ኣስተዋፅኦ እናገበሩ ከምዝፀንሑ እቲ ዩንቨርስቲ ሓቢሩ።

ህልውና እቲ ዩንቨርስቲ ኣብ ሓደጋ ከውድቕ ዝኽእል ተልእኾ ጥፍኣት ክፍፅሙ ከምዝፀንሑ እውን ገሊፁ።

ስለዝኾነ እቶም ተምሃሮ ካብ ተግባሮም ንክቑጠቡ ተደጋጋሚ ምኽሪን ማዕዳን ዝተገበረሎም እኳ እንተኾነ፥ ካብ ተግባሮም ክቑጠቡ ብዘይምኽኣሎም እቲ ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ 77 ተምሃሮ ከምዝተወሰደ ኣፍሊጡ።፥

ካብ መንጎ እቶም ስጉምቲ ዝተወሰደሎም እቶም ክልተ ሙሉእ ብሙሉእ ካብቲ ዩንቨርስቲ እንትሰናበቱ፥ እቶም 75 ተምሃሮ ድማ ንክልተ ዓመታት ካብ ትምህርቲ ክእገዱ ከምዝተገበረ ተሓቢሩ።

ብተወሳኺ ተምሃሮ ብምኹብላል ዝተጠርጠሩ ክልተ መምህራን ቅፅዓት መሃያን ፅሑፍ መጠንቀቕታን ከምዝተውሃቦም ተገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.