Fana: At a Speed of Life!

ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ን12 ሙሁራት መዓርግ ፕሮፌሰርነት ሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቦርድ ኣመራርሓ ስራሕ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ን12 ሙሁራት መዓርግ ሙሉእ ፕሮፌሰርነት ሂቡ።

እቲ ዩኒቨርሲቲ መዓርግ ፕሮፌሰርነት ዝሃቦም ሙሁራት፥ ኣብ ምምሃር ምስትምሃር፣ መፅናዕቲን ምርምርን፣ ኣብ ውሽጢ እቲ ዩኒቨርሲቲ ብዘለዎም ኣገልግሎት ከምኡ እውን ኣብ ሞያዊ ማሕበረሰብ ኣገልግሎትን ኣብ ምጉልባት ፍልጠት ዓለም ዕዉት ኣበርክቶ ዝገበሩ መምህራንን ተመራመርቲን ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ብምዃኑ ድማ ብዝምልከቶም ክፍሊታት ትምህርቲ ተመርሚሩ፣ ብኣካዳሚ ጉባኤታት ኮሌጃት ተፈቲሹ፣ ብሴኔት እቲ ዩኒቨርሲቲ ተራእዩን ተቐባልነት ረኺቡ ዝቐረበሉ ሓበሬታ ዝቐረበሉ ቦርድ ኣመራርሓ ስራሕ እቲ ዩኒቨርሲቲ፥ ን12 ሙሁራት ሙሉእ መዓርግ ፕሮፌሰርነት ኣፅዲቑ።

ብመሰረት እዚ፥ ዶክተር ይልማ ስለሺ፣ ዶክተር ኣለሙ መኮንን፣ ዶክተር ኣለማየሁ ገዳ፣ ዶክተር በርሲሳ ኩምሳ፣ ዶክተር ገበየሁ ጎሹ፣ ዶክተር ሙሉጌታ ኣጥናፉ፣ ዶክተር ጌታቸው ተረፈ፣ ዶክተር ኣሰፋ ፍስሃ፣ ዶክተር ንጋቱ ከበደ፣ ዶክተር ግርማ ዘርኣዮሃንስ፣ ዶክተር ሽመልስ ኣድማሱን ዶክተር ኣታላይ ኣየለን ከምዝኾኑ ካብቲ ዩኒቨርሲቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ፥ መዓርግ ፕሮፌሰርነት ንዝተውሃቦም 12ቲኦም ሙሁራትን ተመራመርቲን፣ ክፍሊ ትምህርቶም፣ መሳርሕቶምን ስድረኦምን እንኳዕ ኣሕጎሰኩም ብምባል ሓጎሱ ገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.