Fana: At a Speed of Life!

ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዩኒቨርሲታት ኣፍሪካ 10ይ ዝበለፀ ዩኒቨርሲቲ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሚያዚያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ኢትዮጵያ ዓቢዪን ቀዳማይን ዝኾነ ላዕለዋይ ትካ ትምህርቲ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዩኒቨርሲታት ኣፍሪካ 10ይ ብሉፅ ዩኒቨርሲቲ ተባሂሉ።

ዩኤስ ኒውስ ግሎባል ኣብዚ ዓመት ኣብ ዘውፀኦ ደረጃ፥ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዩኒቨርሲቲታት ሃገራት ኣፍሪካ 10ይ ደረጃ እንትሕዝ ካብ ምብራቕ ኣፈሪካ ድማ ቀዳማይ ቦታ ረኺቡ።

ኣብ መላእ ዓለም ካብ ዘለዉ ዪኒቨርሲቲታት ድማ መበል 553 ደረጃ ተሰሪዑ ይርከብ።

ዩኤስ ኒውስ ግሎባል ኣብ ዘሓለፈ ዓመት ኣብ ዘውፀኦ ደረጃ ካብ ምብራቕ ኣፈሪካ 2ይ፤ ከምኡ እውን ካብ ዓለም መበል 616 ደረጃ ዝነበረ እቲ ዩኒቨርሲቲ፥ ኣብዚ ዓመት ምምሕያሽ ደረጃ ኣርኢዩ።

ኣብ ደቡብ ኣፈሪካ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ኦፍ ኬፕታውን ካብ ኣፍሪካ 1ይ ብሉፅ ዩኒቨርሲቲ ኣፍሪካ ተባሂሉ ዝተሰርዐ እንትኸውን፥ ካብ ዓለም ድማ ኣብ መበል 103 ደረጃ ተሰሪዑ።

ፍልፍል፦ usnews.com/education/best-global-universities/

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.