Fana: At a Speed of Life!

ዩኒቨርሲቲ ፖሊስ  ኢትዮጵያ ምስ ዓለም ለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ብምትሕብባር ንኣመራርሓ ፖሊስ ትግራይ ስልጠና ይህብ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩኒቨርሲቲ ፖሊስ ኢትዮጵያ ምስ ዓለም ለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ብምትሕብባር ንኣመራርሓ ፖሊስ ክልል ትግራይ ስልጠና ኣብ መቐለ ይህብ ኣሎ።

እቲ ስልጠና፥ “ ግደ ኣመራርሓ ኣብ ውፅኢታዊ ኣገልግሎት ፖሊስ” ዝብል ርእሲ ዘለዎ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣብ መጀመሪ እቲ ስልጠና ተረኺቦም መልእኽቲ ዘመሓላለፉ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ግዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሌ/ጀኔራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ፥ ዩኒቨርሲቲ ፖሊስ ኢትዮጵያን ኮ0ሚቴ ማሕበር ቀይሕ መስቀልን ፖሊስ ትግራይ ናብ ዝነበሮ ትካለዊ ዓቕሚ ንምምላስ ልዑል ፃዕሪ ኣብ ዝገብረሉ ዘሎ እዋን ኣዝዩ ኣድላዪ ዝኾነ ስልጠና ምድላዎም ብምንኣድ አመስጊኖም።

ምክትል ኮሚሽነር ጀኔራል ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ፖሊስ ኢትዮጵያ መስፍን ኣበበ ብግደኦም፥ እቲ ዩንቨርስቲ ኣባላት ፖሊስ ክልላትን ትካላት ስልጠናን ንምድጋፍ ብመሰረት ዝተውሃቦ ልኡኽ ነቲ ስልጠና ብፍሉይ ኩነታት ንፖሊስ ትግራይ ምድላዉ ገሊፆም።

ኣብ ቀፃሊ ድማ ነቲ ትካል ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ደገፍ ንምግባር ከምዝሰርሕ ተዛሪቦም።

እቲ ስልጠና ካብ 16 መጋቢት ጀሚሩ ንተኸታተልቲ ሓሙሽተ መዓልታት ዝፀንሕ ከምዝኾነ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ካብ ወረዳታት፣ ዞባታትን ፖሊስ ኮሚሽን እቲ ክልልን ዝተውፃእፅኡ ኣመራርሓ ፖሊስ ኣብቲ ስልጠና ይሳተፉ ከምዘለዉ ተገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.