Fana: At a Speed of Life!

ዩክሬን ኣብ ልዕሊ ክልተ መራኽብ ሩሲያ መጥቃዕቲ ኣየር ምፍፃማ ኣፍሊጣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩክሬን ኣብ ግዝኣት ክረሚያ ኣብ ዝርከብ ፀሊም ባሕሪ ብዝወሰደቶ መጥቃዕቲ ኣየር ኣዞቭን ያማልን ዝተብሃላ ክልተ መራኽብ ሩሲያ ከምዝወቕዐት ጦር እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ካብ እተን መራኽብ ብተወሳኺ ሓይሊ ኣየር ሩሲያ ኣብ ፀሊም ባሕሪ ዝጥቀመሉ ማእኸል መራኸቢን ካልኦት መሰረተ ልምዓትን ከምዝዓነዉ ጦር ዩክሬን ገሊፁ፡፡

ሰብ መዚ ክረሚያ ብግደኦም÷ ዩክሬን ሴባስቶፖል ኣብ ዝተብሃለ ወደብ ክረሚያ መጥቃዕቲ ኣየር ከምዝፈፀመት ብምግላፅ በቲ መጥቃዕቲ ሓይሊ ባሕሪ ሩሲያ መልእኽቲ ዝለኣኣኸሉ መተግበሪ ቴሌግራምን ህዝቢ መጎዓዓዝቲ ጃላቡን ጉድኣት ከምዘብፅሐን ገሊፆም፡፡

“በቲ መጥቃዕቲ ኣብቲ ከባቢ ካብ ዝነበራ ሽዱሽተ ጃላቡ እተን ሓሙሽተ መስተን ተሰባቢሩ ኢዩ፣ ይኹን እምበር ዝተጎድኡ ጀላቡ ኣብቲ ዕለት ፀገና ተገይሩለን ኢዩ” ኢሎም እቶም ሰብ መዚ፡፡

ሓይሊ ባሕሪ ሩሲያ እቲ መጥቃዕቲ ንምክልኻ ብዝወሰዶ ፀረ መጥቃዕቲ ልዕሊ 10 ዝኾና ሚሳኤላት ዩክሬን ብምውቃዕ ከምዝሓምሸሸ ዘቴሌግራፍ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.