Fana: At a Speed of Life!

ደቡብ ኮሪያ ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቒ ልምዓት ቡን ክተጣይሽ ኢያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኤስ ኬ ዝተብሃለ ኩባኒያ ልምዓት ደኒ ደቡብ ኮሪያ ምስ ትካል ግልጋሎት ደኒ ደቡብ ኮሪያ ብምትሕብባር ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቒ ልምዓት ቡን ከተጣይሽ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እቲ ልምዓት ቡን ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ዘጣይሽ እንትኸውን፥ ኣብቲ ከባቢ 10 ሺሕ ስኩዌር ሜትሮ ዝሽፍን ልምዓት ደኒ ከምዝሰርሕ እውን እቲ ኩባኒያ ገሊፁ።

ስለዝኾነ ድማ ስነ ምህዳር እቲ ከባቢ ዳግም ንኽለምዕን ንኽሕሎን ዝሕግዝ 700 ሺሕ ስኩዌር ሜትሮ ዝሽፍን ቦታ ዕጣን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ፈልሲ ከምዝተክል ኣፍሊጡ ኣሎ።

ካብ ልምዓት ቡን ብተወሳኺ ኣብ ዘፈር ቴክኖሎጂ ልምዓት ደኒ ንሰብ ሞያታት ውሽጢ ዓዲ ስልጠና ከምዝህብ ገሊፁ።

በቲ ኩባኒያ ዝለምዕ ቡን ፍትሓዊ ብዝኾነ መገዲ ናብ ዕዳጋ ደቡብ ኮሪያ ክቐርብ ኢዩ ተባሂሉ።

ፍልፍል፡- koreabizwire.com

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.