Fana: At a Speed of Life!

ዲጂታላይዜሽን ምምሕዳር ታክስ ብድሆታት ታክስ ንምቕራፍ ዘኽእል ኢዩ- ወ/ሮ ኣይናለም ንጉሴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዲጂታላይዜሽን ምምሕዳር ታክስ ብድሆታት ታክስ ንምቕራፍ ዘኽእል ኢዩ ክብላ ሚኒስትር እቶት ወ/ሮ ኣይናለም ንጉሴ ገሊፀን።

ሚኒስትር እቶትን ባንኪ ዓለምን ብሓባር ዘሰናደእዎ ዓለም ለኸ ኮንፈረንስ ዲጂታል ምምሕዳር ታክስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ ኮንፈረንስ ናይጄሪያ፣ ዛምቢያ፣ ዚምባቡዌ፣ ኡጋንዳ፣ ማላዊ፣ ኬንያ፣ ታንዛኒያ፣ ደቡብ ሱዳን፣ ሶማሊያን ሩዋንዳን ተሳቲፈን።

ወ/ሮ ዓይናለም፥ ሃገራት ኣብ ዲጂታላይዜሽን ምምሕዳር ታክስ ምዝርራብ፣ ምፍታሽን ተመክሮ ምልውዋጥን ከምዝግበአን ኣብቲ ኮንፈረንስ ገሊፀን።

ዲጂታላይዜሽን ምምሕዳር ታክስ ብድሆታት ታክስ ኣብ ምቕራፍን ብወረቐት ዝሳለጡ ኣሰራርሓታት ኣብ ምቕያርን ኣድላዪ ከምዝኾነ ሓቢረን።

ብተወሳኺ ሓበሬታታት ናይ ምቅይያር መገዲ ከምዘሳልጥ ተዛሪበን።

ሓለፍቲ ስራሕ እቶትን ጉምሩኽን ሃገራት ናይጀሪያ፣ ማላዊ፣ ኡጋንዳ፣ ዛምቢያ፣ ሩዋንዳ፣ ኬንያ፣ ኢትዮጵያን ነናይ ሃገሮም ተመክሮታት ከምዘቕረቡ ኣብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.