Fana: At a Speed of Life!

ድሌት ፅዕነት እናወሰኸ ምምፅኡ ስዒቡ ከስቢ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ከምዝቐፀለ ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ መገዲ ኣየር ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥሪ፣2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ እዋን ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ድሌት ፅዕነት እናወሰኸ ምምፅኡ ስዒቡ ከስቢ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ከምዝቐፀለ ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ መገዲ ኣየር ኣይተ ተወልደ ገብረማርያም ገሊፆም።

እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኣብ ዱባይ ዝተዳለወ ዘተ መርበብ ሓሬታ ከምዝገለፁዎ፥ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝበረታታዕ ትርፊ እናረኸበ ከምዝኾነ ኢዩ።

እቲ መገዲ ኣየር ኣትራፊ ክኸውን ዝኸኣለ ድማ ዝተፈላለያ ሃገራት ድሌት ኣገልግሎት ፅዕነት ብልዑል ብርኪ እናወሰኸ ምምፅኡ ስዒቡ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓማውቲ ብዝተወለዐ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ምኽንያት መሸጣ ኦን ላይንን ኣብ ቀረብ ዕዳጋን ዝተፈጠረ ምዝባዕ ዘምፀኦ ምውሳኽ ድሌት ኣገልግሎት ፅዕነት እቲ መገዲ ኣየር ከምዝተጠቐመሉ እውን ሓቢሮም።

ኣገልግሎት ፅዕነት እቲ መገዲ ኣየር ጥንኩር ዝበሃል ኢዩ ዝበሉ እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ፥ እቲ ኣገልግሎት ኣብቲ ኩባኒያ ቀንዲ ፍልፍል እቶት ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.