Fana: At a Speed of Life!

ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ናብ ክልል ትግራይ 32 ሺሕ ሜትሪክ ቶን እኽሊ ተበፃሒ ከምዝተገበረ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሕዳር ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን ዝተበፅሐ ሰምምዕ ሰላም ሲዒቡ ክሳብ ሐዚ፤ 32 ሽሕ ሜትሪክ ቶን ምግቢን ልዕሊ 360 ሽሕ ሊትሮ ነዳዲን ናብ ክልል ትግራይ ተበፃሒ ከምዝተገበረ ኮምሽነር ኣነራርሓ ስራሕ ስግኣትን ሓደጋ ኢትዮጵያ ዶክተር ሺፈራው ተክለማርያም ገሊፆም፡፡

 መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ዘሎ ጎንፂ ብዘላቕነት ደው ንምባል ዝኣተዉዎ ስምዕነት ሲዒቡ፤ መንግስቲ ንክልል ትግራይ ሓዊሱ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ሰብኣዊ ሓገዝ ብስፍሓት ተበፃሒ ይገብር ከምዘሎ ሓቢሮም፡፡

እቲ ስምዕነት ሰዒቡ መንግስቲ ፌደራል ናብ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይ ገደብ ክኣቱ ይግበር ኣሎ ዝበሉ ኾምሽነር ዶክተር ሺፈራው÷ እዞም ሓገዛት ብኣርባዕተ ኮሪደራት፤ ብምድሪ ከምኡ እዉን ብመዕርፎ ነፍርቲ መቐለን ሽረን ኣቢሉ፤ተባፃሒ ይገብር ከምዘሎ ገሊፆም ፡፡

ብድሕሪ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ክሳብ ሕዳር 16 ኣብ ዘለዉ መዓልትታት፤  መንግስቲ ብናይ ባዕሉ ዓቕሚ፤ 13 ሺሕ ሜትክ ቶን ጥረምረን ሓነፅቲ ምግብታትን ተበፃሒ ከምዝገበረን፤ ብገበርቲ ሰናይ ትካላት ኣቢሉ ድማ 19 ሺሕ ሜትሪክ ቶን እኽሊ ናብ ክልል ትግራይ ከምዝተልኣኸ እቶም ኮምሽነር ሓቢሮም፡፡

“ናብ ክልል ትግራይ ካብ ዝተለኣኻ ሓገዝ ብተወሳኺ፤ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ንዝግበር ናይ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣቕርቦት ዝውዕል 360ሽሕ ሊትሮ ነዳዲ ተላኢኹ” ኢሎም፡፡

ናብ ከተማ መቐለ ዝኣተወ ሰብኣዊ ሓገዝ ብፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣቢሉ ናብ ዝድለ ዓላማ ከምዝውዕል እውን ሓቢሮም፡፡

ኣቕርቦት ሰብኣዊ ሓገዝ  ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ዝሓበሩ እቶም ኮምሽነር፤ ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ዜጋታት ናብ መረበቶም ናይ ምምላስን፣ እግሪ ናይ ምትካልን ስራሕቲ ከምዝስርሑ ምግላፆም ኣገልግለት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.