Fana: At a Speed of Life!

ድርድር ሰላም ሩሲያን ዩክሬንን ሎሚ መዓልቲ ኣብ ቤላሩስ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ለካቲት፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ድርድር ሰላም ሩሲያን ዩክሬንን ሎሚ መዓልቲ ኣብ ቤላሩስ ተጀሚሩ።

ኣብ ቤላሩስ ዝግበር ድርድር ሰላም ክልቲአን ሃገራት ወታደራዊ ወፍሪ ሩሲያ ኣብ ዩክሬን ጠጠው ንመባል ዝዓለመ ከምዝኾነ ተመልኪቱ፡፡

ብዙሓት ተዛረብቲ ቋንቋ ሩሲያ ዘለወን ግዝኣታት ዶኔትስክን ሉጋንስክን ካብ ፀረ-ሩሲያ ንምሕላው ብዝብል ሞስኮ ኣብ ዩክሬን ወታደራዊ ወፍሪ ካብ ትጅምር ሎሚ መዓልቲ ሻድሻይ መዓልቱ ሒዙ ኣሎ፡፡

ድሕሪ ውሑዳት መዓልቲታት እቲ ወታደራዊ ወፍሪ ፕሬዚዳንት ዩክሬን ቮሎድሚር ዘለንስኪ÷ ሃገሮም ምስ ሩሲያ ንምዝታይ ድሉውቲ ምዃና ዕላዊ ገይሮም ኢዮም፡፡

ነዚ ስዒቡ ድማ ዝግበር ድርድር ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተጀመረ ኲናት ጠጠው ንምባል ዝሕግዝ ኢዩ ብዝብል ተስፋ ተነቢሩሉ ኣሎ፡፡

ከም ፀብፃብ ኣርቲ እቲ ድርድር ሰላም ሎሚ መዓልቲ ዝጅምር እንትኸውን፥ ድርድሩ ድማ ኣብ ጥቓ ዶብ ዩክሬን ኣብ ትርከብ ቦላሩስ ድሕሪ ሰዓታት ክካየድ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ፡፡

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ቤላሩስ እውን ድርድር ሰላም ክልቲአን ሃገራት ንምጅማር ኣድላዪ ቅድመ ምድላው ከምዝተገበረ ኣፍሊጦም፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.