Fana: At a Speed of Life!

ዶብ ሰገር ስርዓት ንግዲ ንምስላጥ ዘኽእል ዞባዊ ውሕስና ትራንዚት ጉምሩኽ ንምትግባር ምድላው ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ዝፈረመቶን ዶብ ሰገር ስርዓት ንግዲ ንምስላጥ ዘኽእል ሓበራዊ ዕዳጋ ምብራቕን ደቡባዊን ኣፍሪካ (ኮሜሳ) ውሕስና ትራንዚት ዞባዊ ጉምሩኽ ንምትግባር ኣድላዪ ቅድመ ምድላው ከምዝተዛዘመ ተገሊፁ።

ኣብ ኣተገባብራን ምንነትን ዞባዊ ትራንዚት ጉምሩኽ ኣመልኪቱ ንዝምልከቶም ሰብ ሞያን መሓዙት ቤት ዕዮታትን እቲ ኮሚሽን ምስ ኮሜሳ ብምትሕብባር ስልጠና መዕበዪ ግንዛበ ተዋሂቡ፡፡

ኣብቲ ስልጠና ዝተረኸቡ ዳይሬክተር ኮሚሽን ትራንዚት ጉምሩኽን መኽዚንን ኣይተ ወጋየሁ ኣዳሙ፥ ዞባዊ ውሕስና ትራንዚት ጉምሩኽ ቅድሚ ሕዚ በቢሃገራቱ ዝትግበር ተደጋጋሚ ውሕስና ኣቕሑት ዘትርፍን ኣቑሑት ብሓደ ውሕስና ጥራሕ ንኽንቀሳቐሱ ዘኽእል ኣሰራርሓ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ሞንጎ 13 ኣባል ሃገራት ዝተፈረመ እቲ ሓዱሽ ዋሕስ ትራንዚት ጉምሩኽ ወፃኢ ዝንኪ፣ እዋን ትራንዚት ዘሕፅር፣ ከይዲ ኣወፃፅኣ ኣቑዘሁት ዘቀላጥፍን ቅልጡፍ ምንቅስቓስ ንግዲ ንኽህሉ ዘኽእል ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም፡፡

ዞባዊ ውሕስና ትራንዚት ጉምሩኽ ንምትግባር፥ ምስ ኢንሹራንስ፣ ባንኪታትን ዝምልከቶም ኣካላትን ተኸታታሊ ዝኾኑ ልዝባትን ስልጠናታት ህንፀት ዓቕሚን ከምዝካየዱ ምግላፆም ካብቲ ኮሚሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.