Fana: At a Speed of Life!

ጄኔራል ኣበባው ኣመራርሓታት ፅንፈኛ ሓይሊታት ናይ ምልቃም ስራሕ ተጠናኺሩ ንኽቕፅል ኣተሓሳሲቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓካዓካሪቶ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ሸኔን ፅንፈኛ ሓይይሊን ብምስባር ኣብ ክልል ኣምሓራ ምምሕዳር ብሄረሰብ ኦሮሞን ዞባ ሰሜን ሸዋን ኣንፃራዊ ሰላም ምዕሳል ተኻኢሉ ክብሉ ምክትል ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሓይሊታት ጦር ጄኔራል ኣበባው ታደሰ ገሊፆም፡፡

ጄኔራል ኣበባው ታደሰ÷ ኣብ ክልል ኣምሓራ ምምሕዳር ብሄረሰብ ኦሮሞን ዞባ ሰሜን ሸዋን ብዛዕባ ዘሎ እዋናዊ ኩነታ ሰላምን ፀፅታን ከምኡ እውን ናይ ቀፃሊ ኣንፈት ኣመልኪቶም ምስ ኮማንድ ፖስት ማእኸላይ ሸዋ ተዛቲዮም፡፡

እቶም ምክትል ኢታማዡር ሹም፥ ኮማንድ ፖስት ማእኸላይ ሸዋ ንግብረ ራዕዲ ሸኔን ፅንፈኛ ሓይሊን ዓከዓካሪቱ ብምስባር ኣብ ክልቲኡ ዞባ ኣንፃራዊ ሰላም ክዓስል ከምዝኸኣለ ኣረጋጊፆም፡፡

ኣብ ከተማ ከሚሴ ምስ ኣመራርሓ ኮማንድ ፖስት ማእኸላይ ሸዋን ካብ ክልቲኡ ዞባ ምስ ዝተውፃእፅኡ ኣካላት ምምሕዳርን ኣብ ዝገበሩዎ ዘተ÷ እቲ ፅንፈኛ ሓይሊ ኣዲስ ኣበባ ንምትርማስ ይምችወኒ ኢዩ ብምባል ኣለኒ ዝብሎ ሓይሊ ኣብ ዞባ ሰሜን ሸዋ ሸጒጡ ከምዝነበረ ገሊፆም።

ኮማንድ ፖስት ማእኸላይ ሸዋ ብዝወሰዶ ቅልጡፍ ስጉምቲ ኣብ ክልቲአን ዞባታት ዝነበሩ ክልቲኦም ፅንፈኛታት ብምውቃዕ ሃገር ናይ ምትርማስ ቀቢፀ ተስፋኦም ኣብ ምምካን ውፅኢት ከምዘመዝገበ እውን ኣብሪሆም፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ንበይኑ ተነፂሉን ተሓቢኡን ዝርከብ ኣመራርሓ ፅንፈኛ ሓይሊ ናይ ምልቃም ስራሕ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ ምትሕስሳቦም ካብ ማሕበራዊ ሚዲያ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.