Fana: At a Speed of Life!

ጆርጅ ፍሎይድ ኣብ ከተማ ሚኒያፖሊስ ብግፍዒ ምቕታሉ ስዒቡ ተቓውሞ ይሕይል ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጉንበት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሜሪካዊት ከተማ ሚኒያፖሊስ ጆርጅ ፍሎይድ ዝተብሃለ ፀሊም ኣሜሪካዊ ብፃዕዳ ብግፍዒ ምቕታሉ ስዒቡ ኣብታ ከተማ ናይ ተቓውሞ ሰልፉ እናሓየለ ምምፅኡ ተገሊፁ።

ኣብታ ከተማ ኣብ ልዕሊ ፀለምቲ ኣሜሪካውያን ዝፍፀም ቅትለት ዝኹንኑ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰልፈኛታት ናብ ኣደባባይ ዝወፅኡ እንትኾኑ፥ እም ሰልፈኛታትት ሓደ ጣቢያ ፖሊስ እውን ኣቃፂሎም ኢዮም።

እቲ መቕተልቲ ኣብ ዝኾነኑሉ ተቓውሞ ሰልፊ፥ “ዋጋ ህይወት ፀለምቲ ሰባት ክንደይ ኢዩ” ዝብሉን ፀዓዱ ፖላዊስ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ፀለምቲ ኣሜሪካውያን ዘብፅሑዎ ዘለዉ ቅትለት ዝኹንኑን ጭርሖታት ሒዞም ተራኢዮም።

ካብዚ ብተወሳኺ ጆርጅ ፍሎይድ ቅድሚ ህይወቱ ምሕላፋ ዘስመዖ “ክትንፍስ ኣይከኣልኩን” ዝብል ምሕፅነታን ዘርኣውነት ዝኹንኑ ጭርሖታትን እውን ሒዞ ወፂኦም ኢዮም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝተወለዓ ተቓውሞ ስዒቡ ድማ ፍሉይ ሓይሊ ኣሜሪካ ናፍታ ከተማ ብምእታው ኩነታት ንኸረጋግኡ ትእዛዝ ተመሓላሊፉ ኣሎ ተባሂሉ።

ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብቲ ጉዳይ ኣድሂቦም ኣብ ዘሃቡዎ መግለፂ፥ እቲ ተቓውሞ ምኽንያት ብምግባር ነገራት ካብ ቁፅፅር ወፃእ ንኽኾኑ ከምዘይፈቕዱ ገሊፆም።

ጆርጅ ፍሎይድ ኣብ ዝሓፈ ሰኑይ ብፀዓዱ ፖላዊስ ድሕሪ ምትሓዙ ሓደ ኣባል ፖሊስ ክሳዱ ብብርኪ እግሩ ብምርጋፅ ብዘስካሕኽሕ ኩነታት ህይወቱ ክትሓልፍ ገይሩዎ ኢዩ።

ጆርጅ ፍሎይድ ኣብቲ እዋን “በይዛኻ ክትንፍስ ኣይከኣልኩን፤ ኣይትቕተለኒ” እናበለ እንትምሕፀኖ ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ኣብቲ ከባቢ ብዝነበሩ መገደኛታት ተቐሪፁ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ተቓሊሑ ኢዩ።

እቲ ወዲ 46 ፀሊም ኣመሪካዊ ኣብቲ እዋን ዝኾነ ይኹን መሳርሒ ኲናት ከምዘይተዓጠቐ ተገሊፁ።

ስድራቤት መዋቲ ዋላ ፍትሒ እናሓተቱ እንተኾኑ፥ ፖሊስ እታ ከተማ ግን እቲ ጉዳይ ኣርባዕተ ፖላዊስ ብምስንባት ክሓልፎ ክኢሉ ኣሎ።

ኣብ ኣሜሪካ ፀዓዱ ፖላዊስ ኣብ ልዕሊ ፀለምቲ ኣሜሪካውያን ዝወስዱዎ ዘይግቡእን ዘይተመጣጠነን ስጉምቲ እንተበኣኣሰ ምምፅኡ ይዝረብ።

ፍልፍል፦ ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.