Fana: At a Speed of Life!

ገምጋም ኣፈፃፅማ ስራሕ ኣፕላይድ ሳይንስ ዩኒቨርሲቲታት ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሚያዚያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ገምጋም ኣፈፃፅማ ስራሕ 9 ኣዋርሕ ኣፕላይድ ሳይንስ ዩኒቨርሲቲታት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወላይታ ሶዶ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ መደረ ዘስምዑ ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ወላይታ ሶዶ ፕሮፌሰር ታከለ ታደሰ፥ እቲ መድረኽ ብዓይነቱ ፍሉይን ፈላማይን ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ካብ ሞንጎ ኣፕላይድ ሳይንስ ዩኒቨርሲቲታት ሓደ ዝኾነ ዩኒቨርሲቲ ወላይታ ሶዶ ንዕዉትነት ስትራቴጂክ ትልሚ 10 ዓመት ትግባራዊ እናገበረ ከምዝርከብ ተዛሪቦም፡፡

ሚኒስትር ዲኤታ ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ፕሮፌሰር አፈወርቅ ካሱ ብግደኦም፥ ትልሚ ልምዓት 10 ዓመት ዕላዊ ምግባር፣ ኣፈፃፅማ ስራሕ 9 ኣዋርሕ ትካላት ምግምጋምን ናይ ዝቕፅል ሽዱሽተኣዋርሕ ኣንፈት ምቕማጥን ዓሊሙ ዝካየድ መድረኽ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

እቲ ገምጋም ንተኸታተልቲ መዓልቲታት ዝፀንሕ እንትኸውን፥ ፕሬዚዳንታትን ምክትል ፕሬዚዳንታትን 15ቲአን ዩኒቨርሲታት ማለት እውን ዩኒቨርሲታት ኣኽሱም፣ ኣምቦ፣ ኣርሲ፣ ኣሶሳ፣ ደብረ ብርሃን፣ ደብረ ማርቆስ፣ ዲላ ፣ድሬዳዋ፣ ጅግጅጋ፣ ኮተቤ ሜትሮፖሊታን፣ ሰመራ፣ ወላይታ ሶዶ፣ ወልቂጤ፣ ወለጋ ከምኡ እውን ወሎ፣ ላዕለዎት ሰብ ሞያታት ሚኒስቴር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ፕሬዚዳንታት ሕብረት ተምሃሮን ኣባላት ካውንስልን እናተሳተፉ ይርከቡ፡፡

ብኣስጨናቂ ጉዱ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.