Fana: At a Speed of Life!

ገበንን ከጋጥሙ ዝኽእሉ ፀገማት ፀፅታን ንምክልኻል ትካላትን ውልቀ ሰባትን ማንነት ተኻረይቲ ንከረጋግፁ ፖሊስ ኣተሓሳሲቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 12 ሓምለ ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ ) ገበንን ከጋጥሙ ዝኽእሉ ፀገማት ፀፅታን ንምክልኻል ኣገልግሎት መንበሪ ገዛን መደቀስን ዝህቡ ዝተፈላለዩ ትካላትን ውልቀ ሰባትን ማንነት ተኻረይቲ ንከረጋግፁ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣዲስ ኣበባ ማንነቶም ሰዊሮም መንበሪ ገዛን ኣልጋን ብምክራይ ገበን ንምፍፃም ተሊሞም ዝንቀሳቐሱ ውልቀ ሰባት ብዛዕባ ምንባሮም መዛግብቲ ምርመራ ፖሊስ የረድእ ኢሉ።

ሰላም እታ ከተማ ብዘላቕነት ንምርግጋፅ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ንፀፅታ ፍሉይ ትኹረት ምግባር ከምዘድሊ ፖሊስ ኣፍሊጡ።

ነዚ ድማ ዝነቕሐ ተሳትፎ ሕብረተሰብ ወሳኒ ከምዝኾነ ኢዩ ኣፍሊጡ።

እዚ ንምዕዋት ገበንን ከጋጥሙ ዝኽእሉ ፀገማት ፀፅታን ንምክልኻል ትካላትን ውልቀ ሰባትን ማንነት ተኻረይቲ ንከረጋግፁ ኣተሓሳሲቡ።

ተልእኾ ጥፍኣት ብምቕባል ዝንቀሳቐሱን ነቲ ከባቢ ኣጋይሽ ዝኾኑን ፀጉረ ለወጣት እንተጋጥሙ ሕብረተሰብ ኣብ ቀረባ ናብ ዝርከቡ ኣካላት ፀፅታ ሓበሬታ ብምሃብ ንክተሓባበሩ ሓቲቱ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.