Fana: At a Speed of Life!

ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ናይ ምትእኽኻብ ወፍሪ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መስከረም፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ኣብታ ሃገር ዝተወለዐ ፀገም ሓገዝ ንዘድሊዮም ዜጋታት ዝኸውን ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምትእኽኻብ ወፍሪ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ።

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብዘካየዶ ወራርን ብዝፈፀሞ ጥፍኣትን ዝበፅሐን እናበፅሐ ዝርከብን ቅልውላው ስዒቡ፥ ድጋፍ ንዘድሊዮም ወገናት ዝውዕል ህፁፅ ሓገዝ ናይ ምትእኽኻብ ወፍሪ ከምዝጀመረ እቲ ጉባኤ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ኣብሪሁ።

እቲ ወፍሪ ንምዕዋት ድማ ትካላት ሃይማኖት “ሰብኣዊ ሓገዝ” ብዝብል ኣካውንት ኣብ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ሒሳብ ቁፅሪ 100043059125 ከምዝተኸፈተ ተሓቢሩ።

ኣብ ወፃኢ ንዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውለደ ኢትዮጵያውያንን እውን ብባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ Ministry of Peace Ethiopian religious institution relief fund” 010001300080 ሓደ ህዝቢ ንሓደ ዕላማ ብዝብል መርህ ሓገዝ ገንዘብ ከምዝእከብ ተገሊፁ።

ኩሎም ዜጋታት በቲ ዝተቐመጠ ኣካውንት ንኽሳተፍ ኣቦታት ሃይማኖት እቲ ጌባኤ ፀዊዖም።

ብፍሬህይወት ሰፊው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.