Fana: At a Speed of Life!

ጉባኤ ኮሚቴ ሰብኣዊ መሰላት ውሕመ ኣብ ጀኔቫ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 76 ጉባኤ ኮሚቴ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት መንግስታ ኣብ ስዊዘርላንድ ጀኔቫ ተኻይዱ።

ኣብቲ ጉባኤ÷ ኮንቬንሽን ፀረ ስቓይን ካልኦት ጭካኔ ዝተመልኦ፣ ኢ-ሰብኣዊ ጉዳያት ውሕመ ትኹረት ብምግባር ምክኽክር ተኻይዱ።

ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር፣ ካብ ሚኒስቴር ፍትሒ፣ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ፣ ፖሊስ ፌደራል፣ ኣገልግሎት ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስቲን ከምኡ እውን ኣብ ጀኔቫ ካብ ዝርከብ ቀዋሚ ልኡኽ ኢትዮጵያ ዝተውፃእፀአ ጉጅለ ልኡኽ ኣብቲ ጉባኤ ተሳቲፉ።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰልን ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኣብ ዝቐረበ ፀብፃብ ሰፊሕ መብርሂን ገለፃን ገይሩ፡፡

ምክትል ኮሚሽነር ጀነራል ዘላለም መንግስቴ ÷ ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ፀፅታ ሪፎርም ብፍላይ ኣብ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰለን ኣጠቓቕማ ቴክኖሎጂን ኣመልኪቶም ገለፃ ገይሮም፡፡

ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ተጠርጠርቲ ዝበፅሕ ስቓይን ኢ-ሰብኣዊ ተግባርን ከምዘይዕገስ ብምግላፅ÷ ስግኣታት ፀፅታ ንምውጋድን ኣብ ልዕሊ ሕብረተሰብ ዝፍፀሙ ገበናት ኣብ ምፅራይ እናሰርሐ ከምዝርከብ ኣብሪሆም።

ፖሊስ ፌደራል ምትሕብባር ፖሊስ፣ ሓበራዊ ስትራቴጂታት፣ ልውውጥ ሓበሬታ፣ ሓበራዊ ስራሕቲን ሓበራዊ ምርመራን ንምጥንኻር ምስ ክልላዊን ዓለም ለኻዊን ትካላት ብቕርበት እናሰርሐ ከምዝርከብ ካብ ፖሊስ ፌደራል ዝረኸብናዮ ሓሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.