Fana: At a Speed of Life!

ጉዕዞ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ካብ ዝጀመርናሉ እዋን ኣትሒዙ ከም ሃገር ወሳኒ ስጉሚታት ተጓዒዝና ኢና-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉዕዞ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ካብ ዝጀመርናሉ እዋን ኣትሒዙ ከም ሃገር ወሳኒ ስጉሚታት ተጓዒዝና ኢና ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፌዴራልን ክልላትን ኣብ ዝተረኸቡሉ ገምጋም ማእኸላይ ዘበን  “ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025″ ተሳሊጡ።

ነቲ ትልሚ መበገሲ ዝኾኑ ሃገራዊ ብድሆታት ጠሚቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዘብርሁ እንትኾኑ፥ ጉዕዞ ዲጂታል ኢትዮጵያ ዝተቐልዐሉ መገዲ ብኣፅንኦት ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025” ንመሃዝቲ ሰባት ድጋፍ ብምሃብን ንጉዕዞ ዲጂታል ዘጠዓዕሙ ኩነታት ብምፍጣርን ኣብ ዲጂታል ኢኮኖሚ ንክንጉብዝ ዓቕሚ ኮይኑና ኢዩ ኢሎም።

ሎሚ ዝገበርናዮ ናይ ማእኸላይ ዘበን ገምጋም ብድሆታትና ንምፍታሽ ኢሉ እውን እወንታዊ ውፅኢታትና ክብ ንምባል ዕድ ፈጢሩ ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣጀንዳ ሃገር ቦቆል ለውጢ፣ ብሄራዊ ትልሚ 10 ዓመት፣ ትልሚ ሸቶታት ዘላቒ ልምዓት፣ ካብ ኣህጉራዊ ማዕቐፍ ስትራቴጂ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ሕብረት ኣፍሪካ ዝፈልፈለ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025፣ ኣብ ኢትዮጵያ ምህዞን መሰረት ፍልጠትን ዘለዎ ኢኮኖሚ ንምውዳብ ዝዓለመ ኢዩ ከምዝተብሃለ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.