Fana: At a Speed of Life!

ጉድለት ፅሬት ዘለዎም ፍርያታት ናብ ሃገር ከየኣትዉ ተኣጊዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ደረጃ ፅሬት ኢትዮጵያ ዘየማልኡ ኣተውቲ ኣቑሑት ናብ ሃገር ከየኣትዉ ከምዝተኣገዱ ሚኒስቴር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ኣፍሊጡ።

ኣብ ሰለስተ ወርሒ መጀመርታ በጀት ዓመት ኣተውቲ ፍርያታት ብዝተገበረ ፍተሻ ላብራቶሪን ስራሕቲ ኢንስፔክሽንን ትሕቲ ደረጃ ኮይኖም ዝተረኸቡ ኣተውቲ ፍርያታት ስጉምቲ ከምዝተወሰደ ኣብቲ ሚኒስቴር ዳይሬክቶሬት ምቁፅፃር ፅሬት ኣታዊን ወፃኢን ገሊፁ፡፡

ስጉምቲ ካብ ሞንጎ ዝተወሰደሎም ኣተውቲ ፍርያታት፥ 3 ነጥቢ 5 ሜትሪክ ቶን LED ኣምፑል፣ 25 ነጥቢ 8 ሜትሪክ ቶን መከፋፈሊ ኤሌክትሪክ፣ 3688 ካርቶን (368 ሺህ 800 ፍረ) መጠን ዘለዎ ሓይሊ ዝውድእ ኣምፖል፣ 9 ካርቶን ዕሹግ ፀባ፣ 55 ነጥቢ 3 ሜትሪክ ቶን ክክዕ ዓተር፣ 10 ነጥቢ 4 ሜትሪክ ቶን ሩዝን 693 ነጥቢ 8 ቶን ቀይሕ ሽጉርቲን ከምዝኾኑ ተሓቢሩ፡፡

እቲ ሚኒስቴር ኣብ ርብዒ በጀት ዓመት 2014 ኣብ ልዕሊ 600 ሺሕ ሜትሪክ ቶን ኣተውቲ ፍርያታት ስራሕቲ ኢኒስፔክሽን ንምስላጥ ተሊሙ ኣብ 586 ሺሕ 746 ነጥቢ 8 ሜትሪክ ቶን ኣተውቲ ኣቕሑት ስራሕቲ ኢንስፔክሽን ከምዝገበረ ኣፍሊጡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.