Fana: At a Speed of Life!

ጉድኣት ዝበፅሖም ትካላት ጥዕና ኣገልግሎት ክህቡ ንምግባር ፕሮጀክት43 ሚሊየን ብር ተሰናዲኡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልላት ኣምሓራ፣ ዓፋርን ቤንሻንጉል ጉሙዝን ተወሊዑ ብዝነበረ ጎንፂ ጉድኣት ዝበፅሖም ትካላት ጥዕና ተጠናኺሮም ኣገልግሎት ክህቡ ንምግባር መርሃ ግብሪ መጀመሪ ፕሮጀክት 43 ሚሊየን ብር ይካየድ ኣሎ።

እቲ ፕሮጀክት፥ ብማሕበር መምርሒ ቤተሰብ ኢትዮጵያ፣ ሚኒስቴር ጥዕናን ካልኦት መሓዙት ኣካላትን ዝተዳለወ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣብ ሂልተን ሆቴል እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ መርሃ ግብሪ መጀመሪ፥ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ሚኒስቴር ጥዕና፣ ማሕበር መምርሒ ቤተሰብ ኢትዮጵያን ዝምልከቶም ኣካላትን ተረኺቦም፡፡

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ዝተረኸቡ ሚኒስትር ዲኤታ ጥዕና ዶክተር ደረጀ ዱጉማ፥ ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝዓነዉ ትካላት ጥዕና መሊስካ ናይ ምህናፅ ስራይ ናይ መንግስቲ ጥራሕ ክኸውን የብሉን፤ መሓዙት ትካላት እውን ንቑሕ ተሳትፎ ክገብሩ ኣለዎም ኢሎም፡፡

ብቅድስት ኣባተ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.