Fana: At a Speed of Life!

ጉጅለ ህወሓት ኣብ ርእሲ ናይ ባዕሉ ወገን ዝፈፀሞ ተግባር ዘሕፍር፣ መሕዘንን ተራእዩ ዘይፈልጥን ኢዩ-ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኳታር

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ጁንታ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ርእሲ ናይ ባዕሉ ወገን ዝፈፀሞ ተግባር ዘሕፍር፣ መሕዘንን ተራእዩ ዘይፈልጥን ኢዩ ክብሉ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኳታርን ዳይሬክተር ጉዳያት ኣፍሪካን ኣምባሳደር ኣብዱራሃማን ኣል ዶሰሪ ገሊፆም።

ኣብ ኳታር ፍሉይ መልእኽተኛን በዓልቲ ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደርን ኢትዮጵያ ሳሚያ ዘካሪያ፥ ምስ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኳታርን ዳይሬክተር ጉዳያት ኣፍሪካን፣ተቐማጥነቶም ኣብ ዶሃ ምስ ዝኾነ ኣምባሳደራት ኤርትራ፣ ሶማሊያ፣ ኬኒያን ሱዳንን ከምኡውን ኣብ ዶሃ ጉጅለ ኣምባሳደራት ደቂ ኣንስቲዮ ማለት አውን ኣምባሳደራት ኣሜሪካ፣ ሜክሲኮ፣ ታንዛኒያ፣ ግሪክ፣ ኒዘርላንድ፣ ካናዳን ስፔንን ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ብምድሃብ መብርሂ ሂበን።

ብተወሳኺ ኣብ ዶሃ ንዝርከቡ ተወከልቲ ዩኔስኮን ዓለም ለኻዊ ትካል ስደተኛታት(አይ.ኦ.ኤም)ን ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ገለፃ ገይረን።

ኣምባሳደር ሳሚያ፥ ጁንታ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር እዚ ሰሜን መሕፈሪ መጥቃዕቲ ምፍፃሙ ስዒቡ መንግስቲ ሕጊ ናይ ምኽባርን ጥፍኣት ዝፈፀሙ ናብ ሕጊ ናይ ምቕራብን ዓሊሙ ዝወስዶ ዘሎ ጥንቃቐ ዝተመልኦ ስጉምቲ ብዝምልከት መብርሂ ብምሃብ ሰፊሕ ዘተ ተኻይዱ።

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኳታርን ዳይሬክተር ጉዳያት ኣፍሪካን ኣምባሳደር ኣብዱራሃማን ኣል ዶሰሪ፥ መንግስቲ ኳታር እቲ ኩነታት ብቐረባ ይከታተሎ ከምዘሎ ኣፍሊጦም።

ጉጅለ ህወሓት ኣብ ርእሲ ናይ ባዕሉ ወገን ዝፈፀሞ ተግባር ዘሕፍር፣ መሕዘንን ተራእዩ ዘይፈልጥን ኢዩ ክስተት ከምዝኾነ እወን ሓቢሮም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.