Fana: At a Speed of Life!

ጉጅለ ኢንቨስትመንት ዩናይትድ ቻይና ኣብ ኣዲስ ኣበባ መንደር ኢንዱስትሪ ናይ ምህናፅ ድሌት ከምዘለዎ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ጉጅለ ኢንቨስትመንት ዩናይትድ ቻይና ኣብ ኣዲስ ኣበባ መንደር ኢንዱስትሪ ናይ ምህናፅ ድሌት ከምዘለዎ ገሊፁ።

ሚኒስትር ዲኤታ ጉዳያት ወፃኢ ዶክተር ኣክሊሉ ሃይለሚካኤል፥ ብፕሬዚዳንት እቲ ጉጅለ ኢንቨስትመንት ሰሂቼንግ ዣንግ ምስ ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ኣማራፂታት ኢንቨስትመንት፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቅድሚያ ኣብ ዝህቦም ጉዳያትን ኣብ ድሌት እቲ ጉጅለ ኢንቨስትመንትን ኣድሂቦም ምዝታዮም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ዶክተር ኣክሊሉ ኣብቲ እዋን ዘተ ኣብ ኢትዮጵያ ዓበይቲን ንክልቲአን ሃገራት ተረባሕቲ ዝገበሩ ዕዉታት ስራሕቲ ኢንቨስትመንት ከምዘለዉ ብምሕባር፥ ጉጅለ ኢንቨስትመንት ዩናይትድ ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ መንደር ኢንዱስትሪ ንምህናፅ ዘርኣዮ ድሌት ኣድኒቖም።

እቲ ኩባኒያ ኣብ ኢትዮጵያ ተሊሙዎ ዘሎ ስራሕቲ ኢንቨስትመንት ንምዕዋት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣድላዪ ዘበለ ሓገዝ ንምግባር ቁርፀኛ ከምዝኾነ ኣረጋጊፆም።

ፕሬዚዳንት እቲ ጉጅለ ኢንቨስትመንት ሰሂቼንግ ዣንግ ብግደኦም፥ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዙሓት ዘፈራት ዘሓዘ መንደር ኢንዱስትሪ ንምህናፅ ድሌት ከምዘለዎ ገሊፆም።

እቲ ንምህናፅ ዝተሓሰበ መንደር፥ ማእኸላት መፍረዪ ኤሌክትሮኒክስን መማዕበሊ ሶፍትዌርን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ሆቴላትን ኣፓርትመንታትን ኣብ ውሽጡ ከምዝሓዘ እቶም ፕሬዚዳንት ኣብሪሆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.