Fana: At a Speed of Life!

ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣብ ልዕሊ ኣባይቲ ከቢድ መሳሪያ ብምትኳስ ነበርቲ ንክፈናቐሉ ከምዝገበረ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጳጉሜን፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ደብረ ዘቢጥ ከተማ ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ዝሓዘሉ እዋን ኣብ ልዕሊ ኣባይቲ ከቢድ መሳሪያ ብምትኳስ ነበርቲ ንክፈናቐሉ ከምዝገበረ ተገሊፁ።

ወይዘሮ ዘውዲቱ ጎበና ኣብ ሰሜን ወሎ ዞባ መቄት ወረዳ ደብረ ዘቢጥ ከተማ ነባሪት ኢየን።

ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ነታ ከተማ ብምውራሩ ንብረተን ደርቢየን ናብ ከባቢ ቆላ ናብ ዘለዉ ኣዝማደን ተፀጊዐን ከምዝነበራ ተዛሪበን።

በዓል ቤተን ድሕሪ መዓልታት ናብቲ ከባቢኦም ተመሊሶም ስንቂ ንከምፅኡ እንትብሉ በቲ ኣሸባሪ ከመዝተቐተሉ ገሊፀን።

ብዙሓት ካብታ ከተማ ለቒቖም ብምውፅኦምን ብዘይ ምምላሶምን መተሓዝንቲ ከምዘይረኸባ ኢፕድ ዘጊቡ።

እቲ ክፉእ ፀላኢ ንብረት ንብረት ካብ ምውዳም ብተወሳኺ ንሃን ይቐትል ከምዝነበረ ወይዘሮ ዘውዲቱ ተዛሪበን።

ስለዝኾነ እቲ ኣሸባሪ ዝፈፀሞ በደል ከምዘይርሳዕ ገሊፀን።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.