Fana: At a Speed of Life!

ግልጋሎት ጥዕና ንምምሕያሽ ዝዓለመ ዘተ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሴክተር ጥዕና ዘፈር ውልቀን መንግስቲን ምውዳድ ብምጥንኻር ግልጋሎት ጥዕና ንምምሕያሽ ዝዓለመ ዘተ ተኻይዱ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ፣ ሚኒስትር ዴኤታ ወ/ሮ ፍሬህይወት ኣበበ፣ ኣመራርሓታት ፌዴሬሽን ክንክን ጥዕና ኢትዮጵያን ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕን ተረኺቦም፡፡

ኣብ ዘተኦም ድማ÷ ኣብ ሴክተር ጥዕና ዘፈር ውልቀን መንግስቲን ምውዳድ ኣብ ዘጠናኽሩ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ጥዕና ዘቲዮም፡፡

ኣብ ሴክተር ጥዕና ተሳትፎ ዘፈር ውልቀ ምጥንኻ፣ ሕፅረታት እታወት ሕክምና ኣብ ምምላእን ካልኦት ማሕለኻታትን ተዋዲድካ ኣብ ምፍታሕ፣ ኣብ ፍቓድን ቁፅፅርን ትካላት ጥዕና ከምኡ እውን ኣወሃህባ ኣፍልጦ ዝምልከቱ ጉዳያት ኣብ ዝምልከት ብሓባር ምስራሕ ኣብ ዝከኣለሉ ዛዕባ ልዝብ ተገይሩ።

ዶክተር ሊያ ታደሰ ኣብቲ እዋን÷ ዘፈር ውልቀ ስርዓት ጥና ንምጥንኻር ብዘሎ ምንቅስቓስ ወሳኒ ይኹን እምበር ብመንፅር ዝተቐመጡ ሸቶታት ግን ብዝበለፀ ምጥንኻርን ናብ ዝለዓለ ብርኪ ምስግጋርን ከምዝግባእ ገሊፀን፡፡

ብሓባር ዝስረሐሉ ጥንኩር ስትራቴጂ እናተሰናደአ ከምዝኾነን ብዝተኸኣለ ዓቕሚ ንውልቀ ዘፈር ዝግበር ሓገዝ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ምግላፀን እውን ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.