Fana: At a Speed of Life!

ግብረ ሓይሊ ድሕንነትን ፀፅታን ሃገራዊ ምርጫ ሰላማዊ ኮይኑ ንክዛዘም ኣስተዋፅኦ ንዝገበሩ ኣካላት አመስጊኑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 15 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ሓይሊ ድሕንነትን ፀፅታን ፌዴራልን ክልልን መበል ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ሰላማዊ፣ ተኣማኒን ፍትሓዊን ብምዃን ንክዛዘም ኣስተዋፅኦ ንዝገበሩ ኣካላት አመስጊኑ።

እቲ ትካል ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፥ እቲ ምርጫ ብሰላም ምዝዛሙ ድሕንነት ህዝብን ሃገርን ከምኡ ውን ብሄራዊ ረብሓ ብምርግጋፅ ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ዘሰጋግር ብምዃኑ ኢትዮጵያውያን እንኳዕ ደስ በለኩም ኢሉ።

መላእ ህዝቢ ንዘርኣዮ ልዑል ተሳትፎ፣ ቁርፀኝነት፣ ትዕግስቲን ምትሕብባርን ፀረ ኢትዮጵያ ንዝኾነ ቅዋም ንዝኽተሉ ውሽጣዊን ግዳማውን ሓይሊታት ክሳዶም ዘድነነ ኢዩ ኢሉ።

ሃገራዊ ሪፎርም ስዒቡ ንሄራዊ ረብሓን ሉእላውነትን ንምርግጋፅ ዝተቐመጡ ኣንፈታትን ዝተሰርሑ ስራሕቲን ኣብቲ ሃገራዊ ምርጫ ፍረ ምሃብ ከምዝጀመረ እውን ሓቢሩ።

ትካላት ፀፅታን ድሕንነትን ንኹሎም ፓርቲታት ፖለቲካ ብገለልተኛነት ብምግልጋል ኣብ ከይዲ ምርጫ ዝጎልሀ ፀገም ፀፅታ እንተይኣጋጠመ ንክዛዘም ምግባሮም ካብ ተዓዘብቲ ምርጫን ህዝብን  እወንታዊ ምላሽ ከምዝተውሃቦ እውን ኣረጋጊፁ።

እቲ ምርጫ ሰላማዊ ኮይኑ ብዕውት ንክዛዘም ምንቅስቓሳት ፀረ ሰላምን ሓይሊታት ግብረ ራዕዲን ብምቁፅፃር ተርጉም ዘለዎ ፅዕንቶ ንከይህልዎ ብምግባር ኣብ ቅድመ ምድላው ዝሰርሖም ስራሕቲ ውፅኢታ ከምዘመዝገበ ኣብቲ መግለፂኡ ሓቢሩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ብዝመርሕዎ መአዘዚ ብሄራዊ ስትራተጂ ድሕንነት ምርጫ ሓይሊ ሰብን ቴክኖሎጂን ብምውዳድ ምስ ከይዲ ምርጫ ብምዝማድ ዝፍጠሩ ኩነታት ካብ ሓደ ማእኸል ኩለ መዳይ ክትትልን ህፁፅ ስጉምቲ ምስትኽካል ምውሳድ ዘኽእል ስርዓት ምዝርግሑ እቲ ምርጫ ሰላማዊ ብምዃን ንክዛዘም ዕዙዝ ግደ ከምዝነበሮ ኣብሪሁ።

እቲ ከይዲ ትካላት ፀፅታን ድሕንነትን ክልልን ፌዴራልን ዘላቒ ሰላምን ድሕንነትን ንምርግጋፅ ዘኽእል ተመክሮ ዝተረኸበሉን ተጠናኺሩ ክቕፅል ዝግበን ከምዝኾነ ሓቢሮም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.