Fana: At a Speed of Life!

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ህፃናት ናብ ኲናት ብምስላፍ ዝፍፅሞ ጭካነ ዝተመልኦ ተግባር ማሕበረሰብ ዓለም ኣየውግዞን ዘሎ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ህፃናት ናብ ኲናት ብምስላፍ ዝፍፅሞ ጭካነ ዝተመልኦ ተግባር ማሕበረሰብ ዓለም በዝግባእ ከምዘየውግዞ ዘሎ ተገሊፁ።

ተንታኒ ፖለቲካ ኣንድሪው ኮሪብኮ ከምዝገለፁዎ፥ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ህፃናት ኣገዲዱ ኣብ ኲናት ብምስላፍ ማዕበል ሰብ ሜላ ኲናት እናተጠቐመሎም ይኹን እምበር ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ነቲ ጉዳይ ትፅቢት ዝግበረሉ መልሲ እናሃበሉ ኣይኮነን፡፡

ስነ ምግባር ዘለዎ ወታደር ህፃናት ተኲሱ ከምዘይቐትል ዝገለፁ እቶም ተንታኒ፥ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ህፃናት ኣብ ኲናት ብምስላፍ ተግባር ግብረ ራዕዱ ጋህዲ ንምግባር እናሰርሐ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ኢትዮጵያ ንምልማዕ ትገብሮ ፃዕሪን ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽ ዘለዋ ሚዛናዊ ኣካይዳን ዘይደልዩ ናይ ወፃኢ ኣካላት እቲ ኲናት ንኽበኣኣስ እናሰርሑ ከምዝኾኑ እውን ኣንድሪው ኮሪብኮ ንግዜኢ ተዛሪቦም፡፡

“መንግስቲ ፌዴራል እቲ ፀገም ብሰላም ንኽፍታሕ ነዊሕ ርሕቐት ይጓዓዝ እምበር እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ግን መጥቃዕቲ ብምፍፃም ፀገማት ክበኣኣሱ ምግባር ኮይኑ ኣሎ” ኢሎም፡፡

ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ኣካይዳ እቲ ጉጅለ ብግልፂ ዘይምኹኑ ድማ ኣዚዩ ዘሕዝን ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ሓዊሱ መሰል ደገፍቲ እቲ ጉጅለ ግደ ዓለም ለኸ ትካላት ብምጥላፍ ውልቃዊ ድልየቶም እናሰጎሙ ከምዝኾ ኣብሪሆም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.