Fana: At a Speed of Life!

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ከተማ ዛሬማ ዝርከብ መስጊድ ከምዘዕነወ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ክልል ኣምሓራ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ከተማ ዛሬማ ዝርከብ መስጊድ ከምዘዕነወ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ክልል ኣምሓራ ኣፍሊጡ።

እቲ ጉጅለ ኣብ ሰሜን ጎንደር ዞባ ዓዲ ኣርቃይ ወረዳ ዛሬማ ከተማ ዝርከብ ዓብዪ መስጂድ ብከቢድ መሳሪያ ከምዘዕነዎ ኢዩ ተገሊፁ።

ዋና ጸሐፊ እቲ ቤት ምኽሪ ሐጂ ሙሐመድ ሐሰን፥ እቲ መስጂድ ታሪካዊን ኣብ ቀረባ እዋን ብናይ ህዝቢ ሃፍቲ ሕድሳት ዝተገበረሉን ከምዝነበረ ተዛሪቦም።

እቲ ግብረ ራዕዲ ኣብ እምነት ቦታታት ዝገብሮ ዘሎ ዕንወት ሃገር ካብ ምፍራስ ጎኒ ንጎኒ ሕብረተሰብ ብዘይ ሃይማኖት ትካላት ንክተርፍ ንምግባር ዝዓለመ ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ቀፃሊ በቲ ጉጅለ ጉድኣት ዝበፅሖም መስጂዳት ተፈሊዮም እቲ ትውልዲ ጥፍኣት እቲ ጉጅለ ራዕዲ ብዕሊ ንክርዳእ ከምዝግበር ገሊፆም ክብል ኣሚኮ ፀብፂቡ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.