Fana: At a Speed of Life!

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝኸፈቶ ኲናት ንመናእሰይ ትግራይ ናብ ህልቀት ዝመርሕ ኢዩ-ተወለድቲ ትግራይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝኸፈቶ ኲናት ንመናእሰይ ትግራይ ናብ ህልቀት ዝመርሕ ኢዩ ክብሉ ተወለድቲ ትግራይ ተዛሪቦም።

ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ፃንሒት ዝገበሩ እቶም ተጋሩ፥ ንትግራይ የውግን ኢየ ዝብል እቲ ጉጅለ ንሳልሳይ ግዘ ነህዝቢ ትግራይ ናብ ኲናት የሳውር ኣሎ ክብሉ ኣውጊዞም።

ተወላዲ እቲ ክልል ኣይተ ገብሩ በርሀ÷ ህፃናትን መናእሰይን ብትምህርቲን ስራሕን ክሓልፍ ዝግበኦ ዕድሚኦም ህወሓት ናብ ኲናት እናሳወረ እቲ ክልል ተተካኢ ኣልባ ይገብር ኣሎ ክብሉ ወቐሴታ ኣቕሪቦም።

እቲ ጉጅለ ምስ ምዕራባውያን ይኹን ኣብ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ምስ ዘለዉ ተወለድቲ ትግራይ ዝረኽቦ ደገፍ ደው ንምባልን ህዝቢ ትግራይ ንምድሓንን መናእሰይ እቲ ክልል ዝገብርዎ ምንቅስቓስ ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ተዛሪቦም።

እቲ ጉጅለ ምስ ምዕራባውያን ይኹን ኣብ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ምስ ዘለዉ ተወለድቲ ትግራይ ዝረኽቦ ደገፍ ደው ንምባልን ህዝቢ ትግራይ ንምድሓንን መናእሰይ እቲ ክልል ዝገብርዎ ምንቅስቓስ ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ተዛሪቦም።

ኣይተ ጊደና መድን ብግደኦም፥ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ካብ ጎሮሮ ተጋሩ ሓገዝ እኽሊ ናይ ምምንጣል ልምዱን ታሪክን ከምዘለዎ ሓቢሮም።

ሎሚ እውን ሓገዝ ብተተካኢ ትውልዲ ትግራይ ህይወት መለወጢ ይገብሮ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

እዚ ድማ እቲ ግብረ ራዕዲ ንህዝቢ ትግራይ ዝቃለስ ዘይኮነስ ፀላኢ ከምዝኾነ ዘርእይ ኢዩ ኢሎም።

ስለዝኾነ መላእ ተወለድቲ እቲ ክልል ጉዕዞ ጥፍኣት እቲ ጉጅለ በቃ ክብልዎ ይግባእ ክብሉ ሓቲቶም።

ብትዕግስት ኣብርሃም

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.