Fana: At a Speed of Life!

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ጅምላ ቅትለት ፈፂሙ ኢዩ – ቢለኔ ስዩም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 28 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ጅምላ ቅትለት ከምዝፈፀመ ሓላፊት ርክብ ህዝቢ ዓለምን ዘፈር ሚዲያን ቤት ፅሕፈት ፕሬስ ሴክሬታሪያት ቀዳማይ ሚኒስትር ቢለኔ ስዩም ገሊፀን።

እተን ሓላፊት ንመራኸብቲ ሓፋሽ ወፃኢ ኣብ ዝሃበኦ መብርሂ፥ ህወሓት ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ወራር ብምፍፃም ልዑል ሰብኣዊን ቁሳዊን ክሳራ ከምዘብፀሐ ተዛሪበን።

ብፍላይ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣንፆኪያን ጋሸናን ጅምላ መቓብራት ከምዝተረኸቡ ኣብሪሀን።

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ቅትለት ከምዝፈፀመ ዝገለፃ እተን ሓላፊት፥ ደቂ ኣንስትዮ ከምዝደፈረን ልዑል ዕንወት ናውቲ ከምዘብፀሐ ኢየን ኣብ መግለፂአን ዝሓበራ።

እቲ ጉጅለ ኣብ ክልቲአን ክልላት ብዝፈፀሞ ወራር፥ ብዙሓት ዜጋታት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ንዝኸፍአ ፀገም ከምዝተቓልዑ ኣብሪሀን።

ካብዚ ብተወሳኺ እውን ህወሓት ማሕበራዊ ግልጋሎት ወሃብቲ ትካላት ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ መሰረተ ልምዓታት ልዑል ዕንወት ከምዝፈፀመ ተዛሪበን።

ይኹን እምበር ምዕራባውያን ሱቕታ ምምራፆም ብምሕባር፤ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ዝፈፀሞ ገበን ምቅላዕን እቲ ጉጅለ ኣብ ብገበን ሰብኣዊ መሰላት ንኽተት ምስራሕ ከምዝግባእ ቢለኔ ስዩም ኣገንዚበን።

ቢለኔ ኣብ መብርሂአን እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ እናተደምሰሰን ዕጡቓቱ እውን ዝቐረበሎም ኣማራፂ ብምጥቃም ኢዶም እናሃቡ ከምዝኾ ተዛሪበን።

መንግስቲ ንተመዛበልቲ ዝተፈላለዩ ኣማራፂታት ብምጥቃም ሓገዝ እናገበረ ከምዝኾ እውን ኣብ መብርሂአን ገሊፀን።

ብኣለማየሁ ገረመው

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.