Fana: At a Speed of Life!

ግብፂ ኣብ ግድብ ህዳሰ ዘለዋ ተቓውሞ ፖለቲካዊ እምበር ሳይንሳዊ ምኽንያት የብሉን – ግብፃዊ ምሁር

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብፂ ኣብ ግድብ ህዳሰ ዘለዋ ተቓውሞ ፖለቲካዊ እምበር ሳይንሳዊ ምኽንያት ከምዘይብሉ ግብፃዊ ምሁር ስነ-መሬት ፍሩዝ አልባዝ ተዛሪቦም።

እቶም ምሁር ምስ ቲዩብ ኤም ቢ ሲ ዓረብኛ ኣብ ዝገበረዉ ፃንሒት ከምዝገለፁዎ፥ “ምልኢት ማይ ግድብ ህዳሰ ንግብፂ ሕፅረት ማይ የቃልዕ ኢዩ” ተባሂሉ ዝቃላሕ ወረ ናይ ግብፂ ፖለቲከኛታትን መራኸብቲ ሓፋሽን ፕሮፖጋንዳ እምበር ሓቃዊነት ዝተኸተለ ኣይኮነን።

እቲ ግድብ ኣብ ፍሰት ማይ ዘምፀኦ እዙይ ዝበሃል ፅዕንቶ ከምዘይብሉ እውን ኣብሪሆም።

ብኻሊእ መዳይ ህንፀት ግድብ ህዳሰ ደረጅኡ ዝሓለወ ኣይኮነን ተባሂሉ ዝጋዋሕ ወረ እቲ ግድብ ብዙሕ መፅናዕቲ ተገይሩሉን ብዓለም ለኻ ኩባኒያታት ዝህነፅ ዘሎ ብምዃኑ ናይ ድሕንነት ስግኣት ክለዓለሉ ኣይግባእን ኢሎም።

እቲ ከባቢ ምንቅጥቃጥ መሬት የጋጥሞ ኢዩ ተባሂሉ ዝንገር ሓሳብ እውን ምንም ፍልጠት ዘይብሎም ግብፃውያን ዘውርዩዎ ኢዩ ኢሎም።

ዲዛይኑ ይኹን ህንፀቱ ኣብ እኹል መፅናዕቲ ዝተደረኸን ደረጅኡ ዘሓለወን ብምዃኑ ኣብ ልዕሊ ግድብ ህዳሰ ሕቶ ጉድለት ፅሬት ንምልዓል ዘኽእል ምኽንያት ከምዘየለ ተዛሪቦም።

እቲ ሓቂ እዙይ እናሃለወ ግብፂ እቲ ጉዳይ ፖለቲካዊ ካብ ምግባር ወፂኣ ኣብ ሳይንሳዊ ኩነታት ዝተመርኮዘ ድርድር እንተትገብር ዝሐሸ ከምዝኾነ እቶም ምሁር ኣብሪሆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.