Fana: At a Speed of Life!

ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ኢትዮጵያ ብሄራዊ ረብሓኣ ኣሕሊፉ ዝህብ ዘተ ኣይገበረትን፤ ንቕድሚት እውን ኣይትገብርን – ተደራደርቲ ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 08 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ፣ ሚኒስትራት ማይን ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፅን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 13 ክሳብ 15 ጥሪ 2020 ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ከሳልጥዎ ዝፀንሑ ዘተ እወንታዊ ውፅኢት ብምሓዝ ከምዝተዛዘመ ተገሊፁ ነይሩ ኢዩ።

ውፅኢት እቲ ዘተን ቅዋም ኢትዮጵያን ብዝምልከት ድማ ሚኒስትር ጉዳያ ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸውን ሚኒስትር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ዶክተር ስለሺ በቀለን ትማሊ ምሸት ኣብ ኤምባሲ ኦትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ከተማ ዋሸንግተን ዲሲ መግለፂ ሂቦም።

እቶም ሚኒስትራት ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ ምስ ግድብ ህዳሰ ተተሓሒዙ ዝተገበረ መረዳድኢ ነጥቢ፤ ዝኾነ ይኹን ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ አሕሊፉ ዝህብ ዘተ ከምዘይተገብረን ድሕሪ ሕዚ እውን ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ቀዳማይ መምርሒ ኮይኑ ከምዝቕፅልን ኣረጋጊፆም።

ነቲ ግድብ ብዝምልከት ዝግበሩ ድርድራትን ዘተታትን፥ ኢትዮጵያ ካልኦት ግድባት ናይ ምህናፅ መሰላ ዘይዳፋእ ምዃኑ ኣፍሊጦም።

ቅድሚ ሕዚ ንምጉታት እቲ ዘተ ከም ምኸንያት እናተልዓለ ዝነበረን ኣመላልኣ ማይ ግድብ ህዳሰ ምስ ታሕተዎት ተፋሰስ ሃገራት ግድባት ናይ ምትሕሓዝ ኩነታት ንኽቕየር ምግባር ተኻኢሉ ኢዩ ዝበሉ እቶም ተደራደርቲ፥ ህንፀት እቲ ግድብ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዝተጠናኸረ ኩነታት እናቐፀለ ከምዝኾነን ብቕልጡፍ ንኽዛዘም ብወገን መንግስቲ ልዑል ፖለቲካዊ ቁርፀኝነት ከምዘሎን ኣብሪሆም።

እቲ ግድብ እንትዛዘም ሓይሊ ካብ ምፍልፋል ሓሊፉ ከም ልምዓት ምርባሕ ዓሳን መስሕብ ቱሪዝምን ዝበሉ ረብሓታት ከምዝህልዉዎ ገሊፆም።

ቴክኒካዊ ዘተ ከምኡ እውን ምስ ሕጊ ዝተተሓሓዙ ጉዳያት ብዝምልከት ድማ፥ ሕዚ እውን ኣብቲ ዓውዲ ልዑል ልምዲን ክእለትን ከምኡ እውን ብልዑል ሓላፍነት ብቑዓት ዝኾኑ ኢትዮጵያውያን ሰብ ሞያታት እናተመርሐ ምዃኑ ሓቢሮም።

ምምላእ ማይ እቲ ግድብ ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት ከምዝጅመርን ሓፈሻዊ ምልኢቱ ድማ ካብ 4 ክሳብ 7 ዓመት ከምዝዛዘምን ኣብሪሆም።

እቲ ዝግበር ዘሎ ዘተ፥ ረብሓ ኢትዮጵያ ኣሕሊፍካ ንመሃብ ዘይኮነስ፤ ሩባ ኣባይ ዶብ ተሳጋሪ ምስ ምዃኑ ተተሓሒዙ ምስ ተፋሰስቲ ሃገራት ተሓባቢርካ ምስራሕ ዝብል ቅዋም ኢትዮጵያ ዝብገስ ከምዝኾነ ኣብ መግለፂኦም ሓቢሮም።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ መራኸብቲ ሓፋሽ፣ ተንተንቲ፣ ኣክቲቪስታትን ካልኦት ፀሓፍቲን ዝፍንዉዎም ሓበሬታታት ሓቀኛታትን ብመረዳእታን ዝተሓገዙን ክኾኑ ብምግባር ግቡኦም ክፍፅሙ ከምዝግባእ እውን እቶም ተደራደርቲ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.