Fana: At a Speed of Life!

ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፅን ክሳለጥ ዝፀንሐ ዘተ ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፅን ክሳለጥ ዝፀንሐ ዘተ ብዝሓሸ ውፅኢት ከምዝተዛዘመ ተገሊፁ።

ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ፣ ሚኒስትራት ማይን ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ ሰለስቲአን ሃገራትን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 13 ክሳብ 15 ጥሪ 2020 ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ከሳልጥዎ ዝፀንሑ ዘተ እወንታዊ ውፅኢት ብምሓዝ ምዝዛሙ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ገሊፁ።

ሚኒስትራት ማይ ዝመርሕዎ ኣብ ዋና ከተማታት ሰለስቲአን ሃገራት ብኣርባዕተ ዙር ዝተሳለጠ ድርድርን ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ሰለስተ ዙር ዝተኻየደ ዘተን ብዝምልከት ኣብ ዝቐረበ ፀብፃብ ስትራቴጂካዊ ዘተ ብምግባር ብምርድዳእ ኢዩ እቲ ክካየድ ዝፀንሐ ዘተ ተዛዚሙ።

ኣብቲ መድረኽ፥ ሚኒስትር ገንዘብ ኣሜሪካ ስቴቬን ሙንሺንን ፕሬዚዳንት ባንኪ ዓለም ዴቪድ ማልፓስን ኣብ ዝተረኸብሉ ከምዝተኻየደ ተገሊፁ።

ካብዚ ብምብጋስ ክሳብ ሐዚ ኣብ ዝተሳለጡ ድርድራት ዘጋጠሙ ኣፈላላያት ብመንፈስ ሓበራዊ ረብሓ ብምፍታሕ ናይ መወዳእታ ስምምዕ ንምብፃሕ ኣብ ዘኽእሉ ነጥብታት ልውውጥ ሓሳብ ተገይሩ።

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 28 ክሳብ 29 ጥሪ 2020 ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ብምርኻብ ናይ መወዳእታ ስምምዕነት ንምግባር ምርድዳእ ዝተገበረ እንትኸውን፥ ቅድሚኡ ኣብ ዘሎ እዋን ድማ ሰብ ሞያ ሕጊ ሰለስቲአን ሃገራት ዝተወገልሉ ጉጅለ ኣብ ክሊ ማዕቐፋት ሕጊ ሓበራዊ ልዝብ ከምዝገብር ተገሊፁ።

ኣብ መወዳእታ እቲ ዘተ፥ ሰለስቲአን ሃገራት ብእወንታዊ መንፈስ ምርድዳእ፣ ምትሕብባርን ምትእምማንን ብሓባር ንምስራሕ ብዘኽእል ምርድዳእ ተዛዚሙ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.