Fana: At a Speed of Life!

ግድብ ህዳሰ ተምሳሌት ምትሕብባር ኢትዮጵያውያን ኢዩ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ደመቀ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ክንተሓባበር እንተለና እንታይ ምዕዋት ከምእንኽእል ዘምሃረ ፕሮጀክት ኢዩ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ደመቀ መኮነን ገሊፆም።

እቲ ግድብ ኣብዚ ሐዚ እዋን ናብ ወሳኒ ምዕራፍ ይሸጋገር ብምህላዉ ዜጋታት ዝገብርዎ ተሳትፎ ኣጠናኺሮም ንክቕፅሉ ፃውዒት ቀሪቡ።

ኣባላት ቤት ምኽሪ ሕዝባዊ ተሳትፎ ምትሕብባር ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣፈፃፅማ ትልሚ ቤት ፅሕፈት እቲ ቤት ምኽሪ ዓመተ 2012ን ትልሚ 2013 ዓ.ምን ብዝምልከት ዘተ ኣሳሊጦም።

ኣብ 2012 ዓ.ም ካብ ዝተፈላለዩ ኣታዊታት 744 ሚሊየን ብር ከምዝተረኸበ ድማ ተሓቢሩ።

ን2013 ዓ.ም ድማ 1 ነጥቢ 4 ቢሊየን ብር ንምእካብ ትልሚ ተታሒዙ ኣሎ።

ሚኒስትር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ዶክተር ኢኒጂነር ስለሺ በቀለ ስቪል ስራሕቲ እቲ ፕሮጀክት ኣብዚ ሐዚ እዋን 88 ነጥቢ 8 ሚኢታዊ ከምኡውን ስራሕቲ  ኤሌክትሮ መካኒካል 46 ነጥቢ 5 ሚኢታዊ ከምዝበፅሐ ገሊፆም።

ስራሕቲ ኮረቻ ግድብ ድማ 99 ሚኢታዊ ከምዝተፈፀመ ብምሕባር፥ ኣብ ዩኒት ትሽዓተን ዓሰርተን ተኸላ ተርባይናት ይካየድ ኣሎ ኢሎም።

ኣብ 2013 ዓ.ም እቲ ግድብ ናብ 595 ሜትሮ ንምብፃሕ ከምዝስራሕ ድማ ተዛሪቦም።

ኣብቲ ዝተገለፀ እዋን ምግጣም 11 ተርባይናት ከምዝዛዘምን ኣብ እዋን ክራማት ድማ እቲ ግድብ 13 ነጥቢ 4 ቢሊየን ኪዩቢክ ሜትሮ ማይ ከምዝሕዝ ኣብሪሆም።

ክሳብ ሐዚ ብዘሎ ከይዲ ነቲ ግድብ 121 ነጥቢ 8 ቢሊየን ብር ወፃኢ ከምዝኾነ ብምሕባር እቲ ግድን ንምዝዛም ዘድሊ 160 ቢሊየን ብር ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ብፍላይ ስራሕቲ ተሳትፎ ህዝቢ ኣብ ምሕያል ኣጠናኺሮም ክቕፅሉ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.