Fana: At a Speed of Life!

ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን የጋጥም ዝነበረ ውሕጅ ብምትራፍ ተወሳኺ ቦታ ሕርሻ ክረኽቡ ከምዝገበሮም ሓረስቶት ሱዳን ተዛሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን የጋጥም ዝነበረ ውሕጅ ብምትራፍ ተወሳኺ ቦታ ሕርሻ ክረኽቡ ከምዝገበሮም ሓረስቶት ሱዳን ተዛሪቦም።

ኣልጀዚራ ዘዘራረቦም እቶም ሓረስቶት፥ ግድብ ህዳሰ ኣብ “ግሬት ዳም” ግብፂ ከበቢ ዝርከብ ቦታ ዝተስተኻኸለ ፍሰት ማይ ብምፍጣር ተወሳኺ ቦታ ሕርሻ ከምዘጎናፀፎም ሓቢሮም።

ግድብ ግሬት ዳም፥ ኣብ ጠረፍ ሰሜናዊ ሱዳን ዝርከብ ግድብ ግብፂ ኢዩ።

ህንፀት ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ በቢዓመቱ ኣብ ልዕሊ ፍርያቶም ይበፅሕ ዝነበረ ጉድኣት ከምዝንክየሎም ዝገለፁ እቶም ሓረስቶት፥ ኣብቲ ግድብ ዘለዎም ተስፋ ልዑል ከምዝኾነ እውን ንኣልጀዚራ ገሊፆም።

ኣብ ቀፃሊ ድማ ፍሰት ማይ ሩባ ኣባይ ዝተስተኻኸለ ከምዝኸውን ብምግላፅ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ዓመት ክልተ ግዘ ጥራሕ የሓሱዎ ዝነበሩ መሬት ናብ ሰለስተ ግዘ ምሕራስ ንኽሰጋገሩ ከምዝሕግዞም ኣብሪሆም።

ሚኒስትር ማይን መስኖን ያስር ኣባስ ብግደኦም፥ ኢትዮጵያ ምልኢት ማይ ግድብ ህዳሰ ኣብዚ ወርሒ እንተጀሚራ ሱዳን ተረባሒት ከምትኸውን ኢዮም ንኣልጀዚራ ዓረቢኛ ዝገለፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.