Fana: At a Speed of Life!

ጣሊያን ዳግም ዶባታ ምኽፋት ጀሚራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጉንበት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ጣሊያን ዓፂያቶም ዝነበረት ዶባታ ዳግም ምኽፋታ ኣፍሊጣ።

ነዙይ ስዒቡ ድማ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ናብ ጣሊያን ምእታው ዝደልዩ መገደኛታት ብዘይ ፈሊኻ መፅንሒ (ኳራንቲን) ብቐጥታ ንኸኣትዉ ከምዝተፈቐዱሎም ተገሊፁ።

እቲ ናይ ሕዚ ስጉምቲ ኣብ ዝቕፅል ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ናይ ሓጋይ ወቕቲ ናብታ ሃገር ንኸኣትዉ ንምግባር ዕላማ ዝገበረ ኢዩ ተባሂሉ።

ዓውዲ ቱሪዝም ቀንዲ ፍልፍል እቶት ጣሊያን ከምዝኾነ ይንገር።

መንግስቲ እታ ሃገር፥ ካብ ምኽፋት ዶብ ብተወሳኺ ድማ በረራታት ውሽጢ ዓዲ ኣብ ኩለን ከባቢታት ንኽጅመሩ ፈቒዱ ኣሎ።

ሃገረ ጣሊያን ብምኽንያት ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ብልዑል ብርኪ ካብ ዝተጠቕዓ ሃገራት ኣውሮፓ ሓንቲ ኢያ።

እቲ ተላባዲ ሕማም ናብታ ሃገር ካብዛቱ ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘሎ እዋን 33 ሺሕን 530 ሰባት ህይወቶም ከምዘሓለፈ ፀብፃብ ቢቢሲ የመላኽት።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.