Fana: At a Speed of Life!

ጥሕሰት ስነ-ምግባር ኣብ ልዕሊ ዝፈፀሙ 52 ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ስጉምቲ ተወሲዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ካብ ዝቐረቡ 95 ጥቆማታት 36 ኣመራሓን ሰራሕተኛታትን ጥፍኣተ ከምዝኾኑ ብምርግጋፁ ስጉምቲ ከምዝተወሰደሎም ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡

ናይ ዝተረፉ ጉዳይ ድማ ብኮሚቴ ዲሲፕሊን እናተርኣየ ከምዝርከብ ተሓቢሩ፡፡

“ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ በጀት ዓመት 2015 ጥቆማ ቀሪቡዎም ስጉምቲ እንተይተወሰደ ኣብ ከይዲ ዝርከቡ ጉዳያት ክትትል ተገይሩ ኣብ ልዕሊ 16 ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ምምሕዳራዊ ስጉምቲ ተወሲዱ” ኢሉ እቲ ትካል፡፡

ብሓፈሻ ካብ ዝሓለፈ በጀት ዓመት ተመሓላሊፎም ኣብ ከይዲ ዝነበሩ ጥቆማታት ሓዊሱ ኣብ 52 ዝተፈላለዩ ጥሕሰታት ስነ-ምግባር÷ 108 ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ጥቆማ ከምዝቐረቦም ካብቲ ኣገልግሎት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት፡፡

ካብ ሞንጎ እዚኣቶም 17 ናይ ፅሑፍ፣ 31 ናይ መሃያ፣ 2 ስንብት፣ ሓደ ሰራሕተኛ ካብ ደረጃ ምልዓልን ሓደ ሰራሕተኛ ናፃ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.