Fana: At a Speed of Life!

ጥምረት ደቂ ኣንስትዮ ኣመራርሓታት ኣፍሪካ ጨንፈር ኢትዮጵያ ኮከስ መናእሰይ ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ጥምረት ደቂ ኣንስትዮ ኣመራርሓታት ኣፍሪካ ጨንፈር ኢትዮጵያ ኮከስ መናእሰይ ዕላዊ ኮይኑ።

ኣብቲ መድረኽ፥ ሚኒስትር ደቂ ኣንስትዩን ማሕራዊ ጉዳይን ዶክተር ኦርጎጌ ተስፋየ፣ ኣብ ሕብረተስ ኣፍሪካ ፍልይቲ ልእኽቲ ደቂ ኣንስትዮ፣ ሰላምን ፀፅታን ቢኒታ ዲዮፕ፣ ኣምባሳደር ኣየርላንድ ኣብ ኢትዮጵያ ኒኮላ ብሬነን ከምኡ እውን ኣካቢት ኣመራርሓ ጥምረት ኮከስ ደቂ ኣንስትዮ መናእሰይ ኣፍሪካ ዶክተር ጆሃኒ ተረኺበን፡፡

ዶክተር ኦርጎጌ ተስፋየ ኣብ ዝገበረኦ መደረ፥ ኣብ ዛዕባ ሰላምን ድሕንነትን ደቂ ኣንስትዮ መናእሰይ መሪሕ ንኽኾና ግደአን ምድንፋዕ ኣድላዪ ኢዩ ኢለን፡፡

ሎሚ መዓልቲ ብዕሊ ዝተጣየሸ ኮከስ መናእሰይ ደቂ ኣንስትዮ ኣፍሪካ ጨንፈር ኢትዮጵያ ብብርኪ ኣፍሪካ ድምፀን ንኸስማዓ ጥምረት ደቂ ኣንስትዮ ኣመራርሓታት ኣፍሪካ ዓብዪ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ እውን ኣብሪሀን፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.