Fana: At a Speed of Life!

ጥንኩር ትካል ሓይሊ ኣየር ንሃንፅ ዘለና ሃገርን ህዝቢን ብሰላም ንኽነብር ኢዩ – ሌ/ጄ ይልማ መርዳሳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ጥንኩር ትካል ሓይሊ ኣየር ንሃንፅ ዘለና ሃገርን ህዝቢን ብሰላም ንኽነብር ኢዩ ክብሉ ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ሌተናል ጄነራል ይልማ መርዳሳ ገሊፆም።

ሌ/ጄ ይልማ ሎሚ መዓልቲ ንላዕለዎት መኮንናት ስነ-ስርዓት ምልባስ ዕቤት መዓርግ ኣብ ዝተኻደሉ ከምዝበሉዎ÷ ኢትዮጵያ ጥንኩር ሓይሊ ኣየር ሃኒፃ ኢያ።

ኣብ ዝተትሓዘ በጀት ዓመት ከም ሃገር ዓብዪ ዓወት ዝተመዘገበሉ ከምዝኾነ ብምግላፅ÷ “ዓለም ዝበፅሐቶ ብርኪ ዕጥቂታት ዘማላእናሉን ሰፊሕ መሰረተ ልምዓት ዝወገንናሉን ዓመት ኢዩ” ኢሎም።

ካብዚ ሓሊፉ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ምህናፁ ዓብዪ ስጉምቲ ታሪኽ ኢትዮጵያ ከምዝኾነ ብምፅራሕ÷ ህንፀት ግድብ ህዳሰ ሓዊሱ ህዝቢ ንልምዓት ሃገር ዓብዪ ኣስተዋፅኦ እናገበረ ከምዝኾነ ኣልዒሎም።

“ናይ ኢትዮጵያ ምርግጋእ ዘይደልዩ ፀላእቲ በቢቦቱኡ ዝፍልፍሉዎም ሓይሊታት ትንኮሳ ይግበር እምበር፤ ብጅግንነት ተጋድሎ ደራዊት ንሃገርና ስግኣት ኣብ ዘይኾኑሉ ብርኪ በፂሖም” ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ ኣቪዬሽን ኢንዱስትሪ ዝበፅሐቶ ብራኸ ኣብ ምስረታ በዓል መበል 88 ሓይ ኣየር ክተርኢ ከምዝኸኣለት ብምዝኽኻ÷ እዋኑ ዝሓቶ ዘበናዊ ቴክኖሎጂ ዝተዓጠቑ ኣባላት እቲ ሰራዊት ዝተመረቑሉ ከምዝኾነ ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.