Fana: At a Speed of Life!

ፀብፃብ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ጎንፂ ኣመልኪቱ ዝተኻየደ ምርመራ ዓለም ለኸ ተቐባልነት ረኺቡ – ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 1 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ምስ ቤት ፅሕፈት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት መንግስታት ብሓባር ኣብ ጎንፂ ትግራይ ኣድሂቦም ዘካየዱዎ ምርመራ ሪፖርት ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ዓለም ለኸ ተቐባልነት ምርካቡ ተገሊፁ።

ኮሚሽነር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ዶክተር ዳንኤል በቀለ ከምዝገለፁዎ፥ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ምስ ቤት ፅሕፈት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት መንግስታት ብሓባር ኣብ ጎንፂ ትግራይ ኣድሂቦም ዘካየዱዎ ምርመራ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ውፅኢቱ ኣብ ቀረባ እዋን ዕላዊ ገይሮም ኢዮም፡፡

እቲ ሪፖርት ድማ 16 ሃገራት፣ ሓለፍቲ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ውድብ ሕቡራትን ኣባል ሃገራት ቤት ምኽሪ ፀፅታን ከምዝተቐበሉዎ ዶክተር ዳኒኤል ገሊፆም።

እቲ ሪፖርት ዝተኸታተሉ ሃገራት፥ ኣብቲ መፅናዕቲ ንዝተሳተፉ ክልቲኦም ትካላት ዘይሻራዊን ተኣማኒን ሪፖርት ብምቕራቦም ኣመስጊኖም፡፡

ኣብቲ ጎንፂ ዝተሳተፉ ወገናት ምኽረ ሓሳብ እቲ ሪፖርት ተግባራዊ ንኽገብሩ ፃውዒት ኣቕሪቦም ኢዮም ምባሎም ትፕኢ ፀብፂቡ፡፡

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.