Fana: At a Speed of Life!

ፅዕንቶ ናብራ ዘቃልሉ ፕሮጀክታት ብፍሉይ ጠመተ ምስራሕ ክቕፅል ኢዩ – ከንቲባ ኣዳነች

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ንዘበናት ናይ ነበርቲ ሕቶ ዝኾኑ ፀገማት ሰናይ ምምሕዳርን ፅዕንቶ ናብራን ዘቃልል ፕሮጀክታት ፍሉይ ጠመተ ሂብና ክንሰርሕ ኢና ክብላ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ተዛሪበን፡፡

እቲ ምምሕዳር ከተማ÷ “ማሕለኻታት ዘየሰኮንዎ ለውጢ” ብዝብል እናካየዶ ዝፀንሐ ገምጋም ኣፈፃፅማ በጀት ዓመት 2015 ዓ.ም ተዛዚሙ፡፡

ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ነዚ መልኪተን ኣብ ማሕበራዊ ገፀን ኣብ ዘመሓላለፈኦ መልእኽቲ÷ “ኣብበጀት ዓመት 2015 ውፅኢት ዝረኸብናሎም ስራራሕቲና ንርከቦም ዘይኮኑስ ዝጀመርናዮም ብምስፋሕ ናብራ ነበርቲ ንምምሕያሽ፣ ንናብራ ምቹውቲ፣ ተወዳዳሪትን ተምሳሌት ምዕባለ ኢትዮጵያን ዝኾነት ከተማ ንምህናፅ ዝበለፀ ተበግሶ ዝፈጠርናሎም ነይሮም” ኢለን።

ስርዓት ኣወሃህባ ግልጋሎት ቅልጡፍን ፍትሓዊን ንምግባር ዝተጀመሩ ስራሕቲ ሪፎርም ብምጥንኻር፣ ንህዝቢ ፍትሓዊ ግልጋሎት ንምብፃሕ፣ ሌብነትን ብልሹው አሰራርሓን ብምትዕርራይን ኣወሃህባ ግልጋሎት ብቴክኖሎጂ ብምሕጋዝን ምምሕያሽ የሃሉ እምበር ኣብ ቀፃሊ ብዝበለፀ ብዕቱብ ዝስራሕ ስራሕ ከምዝኾነ ኣገንዚበን።

እቲ ለውጢ ህዝቢ ደልዩ ዘምፀኦን ዝድግፎን ብምዃኑ÷ ማሕለኻታት ዘተዓናቕፉዎ ከምዘይኮነ ገሊፀን።

ሰላም እታ ከተማ ንምኽባር ምስ ደላዪ ሰላም ህዝቢ ብምዃን ነበርቲ ብሰላም ወፂኦም ብሰላም ዝኣተትዉላ ከተማ ምዃና ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ዝሓበራ እተን ከንቲባ÷ “ንፀረ ሰላም ሓይሊታት ብፈኸራ ዝመፅእ ስልጣን ከምዘየለ ሕዚ እውን ከተማና ፅብቅቲ መርኣያ ክትከውን ኢያ” ኢለን።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.