Fana: At a Speed of Life!

ፈልሲ እናተኸልካ ሃገር ፅብቕቲ ምግባር ካብ ኩሉ ትፅቢት ዝግበር ተግባር ኢዩ -ቀ/ሚ ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፈልሲ እናተኸልካ ሃገር ንክትምዕርግ ምስራሕ ካብ ኩሉ ሰብ ትፅቢት ዝግበረሉ ተግባር ከምዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ኣብ ክልል ኣምሓራ ሳልሳይ ዙር መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር 2013 ዓ.ም ኣብ ከተማ ደብረ ማርቆስ ኣጀሚሮም።

ንኢትዮጵያ ምኽዳንን መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰርን ካብ ብሕዚኡ ፅቡቕ ውፅኢት እናተመዝገበሉ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።

ኣብቲ ክልል ኣብ 3ይ ዙር መርሃ ግብሪ 1 ነጥቢ 83 ቢሊየን ፈልሲታት ንምትካል ዝተሓሰበ እንትኸውን፥ 8 ሓምለ 2013 ዓ.ም ድማ ኣብ ሓንቲ መዓልቲ 247 ነጥቢ 8 ሚሊየን ፈልሲታት ንምትካል ትልሚ ከምዘሎ ተገሊፁ፡፡

ኣብቲ መጀመሪ መርሃ ግብሪ ዝተተኸሉ ፈልሲታት ሃገር በቆልን ፍረምረን ፈልሲታት ከምዝኾኑ እውን ተሓቢሩ፡፡

“ንኢትዮጵያ ንኽደና” ብዝብል መሪሕ ቃል ብብርኪ ክልል ኣብ ዝተኻየደ መርሃ ግብሪ መጀመሪ ሓምለዋይ ኣሰር፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ፣ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣይተ ደመቀ መኮንን፣ ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸው፣ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣይተ ኣገኘው ተሸገር፣ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሲዳማ ኣይተ ደስታ ሊዳሞን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ፌዴራልን ክልልን ተረኺቦም።

ብምስክር ስናፍቅ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.