Fana: At a Speed of Life!

ፈረንሳይ እናደገሰ ዝመፅአ ዝርገሐ ቫይረስኮሮና ንምዕጋት ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታታ ማዕቐብ ከምተንብር ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥቅም6፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፈረንሳይ እናደገሰ ዝመፅአ ዝርገሐ ቫይረስኮሮና ንምግታእ፥ ፓሪሲ ሓዊሱ ኣብ ሸሞንተ ከተማታት ካብ ፅባሕ ጀሚራ ማዕቐብ እቶ እቶ ሰዓት ከምትእውጅ ገሊፃ።

ኣብ ፈረንሳይ በዝሒ ብቫይረስኮሮና ዝተሓዙ ሰባት እናወሰኸ ምምፅኡ ስዒቡ፥ ጥማሊ ጥራሕ 30 ሺሕን 621 ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዙ ተሓቢሩ።

እዚ ድማ ኣብ ቀረባ መዓልቲታት ዝተመዝገበ ልዑል ቁፅሪ ኮይኑ ኣሎ።

ስለዝኾነ ድማ ፓሪሲ ሓዊሱ ኣብ ሸሞንተ ከተማታት ካብ ፅባሕ ጀሚራ ማዕቐብ እቶ እቶ ሰዓት ከምትእውጅ ገሊፃ ኣላ።

ፕሬዚዳንት ኢማኑኤል ማክሮን፥ እቲ እወጃ በቢመዓልቱ ዝተሓዙ ቁፅሪ ሰባት ናብ 3 ሺሕ ክንኪ ዝገብር ኢዩ ኢሎም።

ካብ ፈረንሳይ ብተወሳኺ ኣብ ጣሊያንን ፖላንድን በቲ ቫይረስ ዝተሓዙ ሰባት ቁፅሮም እናወሰኸ ይመፅእ ከምዘሎ ሓበሬታታት የመላኽቱ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፥ ህይወት ሰባት ንምድሓን ጥንኩር ዝኾነ እገዳ ክንበር ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣውሮፓ፥ ኣቢያተ ትምህርቲ፣ ማእኸላት ኣካል ጥንካረ፣ እንዳ ብልዕን መስተን ዳግም እናተዓፀዉ ከምዝኾነ ቢቢሲ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.